S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕላማና!

ዕላማና---->ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ሠናይ ንምግባር እዩ። 2ቆሮ 8፡20

ዕላማና---->ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕና ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ምግባር እዩ። ማቴ 28፡19

ዕላማና---->ናይ ምድሪ ነገር እናረሳዕና ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ምጉያይ እዩ። ፊሊ 3፡14

ዕላማና---->በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ምጽናዕ እዩ። 2ጢሞ 3፡14

ዕላማና---->ሓንቲ ቃል፡ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኴንኩም ክትሠምሩ እምበር ኣብ መንጎኹም ምፍልላይ ክይህሉ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽዓር እዩ። 1ቆሮ 1፡10።

ዕላማና---->ንሰብ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ ምሕጓስ እዩ። 1ተሰ 2፡4

ዕላማና---->ነቲ ኣኽሊል ዓወትና ሓደ እኳ ከይዝርፈና ኣጽኒዕና ብምሓዝ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ ዓንዲ ኮንካ ምግልጋል እዩ። ራ ዮሓ 3፡11

ዕላማና---->በታ ካብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ጽርይቲ ሕሊና፡ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ ጸኒዕካ ምንባር እዩ። 1ጢሞ 1፡5

ዕላማና---->ኵሎም ሰብኡት ካብ ባእስን ክትዕን ርሒቖም ኣብ ኩሉ ስፍራ ቅዱሳን ኣእዳው ኣልዒሎም ኪጽልዩ እዩ። 2ጢሞ 2፡8

ዕላማና---->በቲ ‘’ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብዅሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር’’ ዝብል ጥንታዊ ሕጊ ምምልላስ’ዩ። ማቴ 22፡37

ዕላማና---->ብእምነት ምስቲ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትካ ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ምትንሳእ እዩ።

Hits: 2542