S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ

Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY,
ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ 

እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ! ማቴ10፡38

1ይ ትርጉም: መስቀል ማለት ሰላም እዩ። ኤፈ 2፡13-17

2ይ ትርጉም: መስቀል ማለት ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።1ቆሮ 1፡18

ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን በዓል መስቀል ከነኽብር ከሎና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቅያትን መከራን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ቆሲሉ ብክቡር ደሙ እዩ ካብ ግዝኣት ኃጢኣት ኣድሒኑና። እምበኣር ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ’’ ኣሕዋተየ ንዓይ ምሰሉ፡ ከመይ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርኩኹም ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ እነግረኩም ኣሎኹ ‘’ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ። ኣምላኾም ከብዶም እዩ። ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም። ሓሳቦም ከኣ ምድራዊ እዩ። ከምዝበሎ ከይንኸውን ሓሳብና ሰማያዊ ክኸውን ኣምላኽ ይደግፈና።

ብመስቀሉ ሰላም ይኹን ንኹሉ

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ  

በዓል መስቀል ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ብመንፈሳዊ ሓጎስን ልባዊ ጸሎት ተኸቢሩ ውዒሉ. ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን እንቋዕ ኣብ ብሩኽ ብርሃነ መስቀል ኣብጽሓና እናበልና ንዓመታ ብሰላምን ቕሳነትን ከጽንሓና ኣምላኽ ፍቓዱ ይኹን።

ፍቕርን ሰላምን ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና
ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ

 

Hits: 3080