S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ክረድእ እዩ

ቲ’ጸላኢ ተትሓጎሰ ኣብ መንጎና ኣትዩ

ኣይነብርን ብኸምዚ ኩሉ ክቅየር’ዩ

ጥራሕ ንጸበዮ ኣምላኽና እሙን’ዩ

ንኹሉ ከዕርፎ ኢየሱስ ክመጽእ’ዩ

ክረድእ’ዩ ጎይታ ጥራሕ ንጸበዮ

ኢዱ ክሰድድ’ዩ ንቤቱ ከጽርዮ

  • ንስርናይ ካብ ክርዳድ በጻብዑ ክፈልዮ
  • ጥራሕ ኣይንደሃል በዚ እንርእዮ
  • ንውዕለት ናይ መስቀል ብትብዓት ነውርዮ

ትዑይ ተዕለበጠ ዝመስል ዘይሰዓር

ጥራሕ ብእምነት ናብ ኣምላኽና ንዘምር

ኣብ ትሕቲኡ ንማዕቆብ ክንሪኢ’ና ተኣምር

ንሕና’ና ሰዓርቲ ክንወርሳ’ና ታ ሃገር

  • ዝህጂ ንሪኦ ጽንሕ ኢሉ የሎን
  • ኣብ ቦትኡ ኳ ተደለናዮ ፍጹም ኣይንረኽቦን
  • የዒንቲና ኪሪኣ’የን መስተንክር ኪኸውን

ዝረገጽናዮ ክንወርሶ’ና

ምህርትና ክንሓፍስ’ና

ጥራሕ ንዑኡ ንሃቦ ኩሉ ዝኸብደና

ኢድ ናይ ረሲኣን ተሰጎጎትና

እግሪ ዑቡያት ተተንቃሳቀሳ ክሕንኩላና

ንሓቂ ብምምስካርና ተጸለሙ ሽምና

ይደኽሙ ደኣ እምበር ፍጹም ነይስዕሩና

ኣምላኽዩ ረዲኤትና

ኣምላኽዩ ዋልታና 

  • እቶም ዑቡያት ከይነልዕል ንስሙ
  • ዋላ ተጸዓሩ መንፈስና ከድኩሙ
  • ዓቅሎም ጸቢብዎም ኣብ ዙርያና ተጓዘሙ
  • ክመጽእ’ዩ ኢየሱስ ልክዕ ከም ቀደሙ
  • ኡፍ ኢሉ ከጥፈኦም ብሓይሉ ክሃጥሙ

ሓወይ ተዓዘቦ ጽባሕ ትድሕሪቱ

ሓፍተይ ተጸበዪ ጽባሕ ትድሕሪቱ

ኣይነብርን ብኸምዚ ነፊሑ ደረቱ

ስለ ዘይነብር ምስ ኣምላኽ ፍጡር ሞጒቱ

ክሓልፍዩ ኩሉ ምስ በጽሐ ዕለቱ (2)

Hits: 2645