ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...