S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንርእይቶ ቢንያምን ካልኦትን!

ናብ ዝኸበርካ ቢንያምን ናብ ኩልኹም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን፡-

ኣብ ዘዘሎኹሞ ቦታ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን፥ ንዓኻትኩም ይኹን። ቀጺልና ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ዓወት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጽንዓትን በረኸትን ክትረኽቡ ንመድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ወትሩ ንጽሊ።

ፍቑራት ምእመናን ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ፡ ሰዓብቲ ኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብዛ ናይ ፈተና እዋን እዚኣ ኣብ ሃገርና ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ፋሕ ኢልኩም፥ ጓሳ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ብዘይ መንፈሳዊ መራሒ ትነብሩ ከም ዘሎኹም ንኹልና ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ? … መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት? … ሞት ኮነ ሕይወት፥ መላእኽቲ ኮኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመጽእ፥ ወይ ኃይልታት ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተኾነ፥ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ።’’ (ሮሜ 835-38) ክብል ከም ዝገለጾ፡ ንሕናውን በዚ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣጋጢሙ ዘሎ ጊዚያዊ ፈተናን ከቢድ ኵነታትን ተጨኒቕና ካብታ ብጸጋ ጥምቀት ዝወለደትና ኦርቶዶክሳዊት እምነትና ከይረሓቕና ብጸሎትን ትዕግስትን ክንጸንዕ ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ።


ብተወሳኺ ኣብ መዝሙር ዳዊት ‘’ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ፥ ንመገደይ ብርሃን እዩ’’ ተባሂሉ ከም ዝተገልጸ፡ ንስኻትኩምውን ቃል እግዚኣብሔር ንምስማዕ ልባዊ ድሌትን መንፈሳዊ ጽምእን ከም ዘሎኹም ካብ ሕቶታትኩም ተረዲእናዮ ኣሎና። በዚ መሠረት ብዕለት 12 ግንቦት 2010 .. ጉባኤ ካህናትን ዲያቆናትን ጸዊዕና ተዘራሪብናሉ ኣሎና። ስለዚ ሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ይኹን! ብስሩዕ መገዲ ብኣቦታት ካህናትን ኣሕዋት ዲያቆናትን በብእብረ ኣገደስቲ ስብከታትን ጽሑፋትን ብመገዲ ተዋህዶ ዳት ኦርግ tewahdo.org ክመሓላለፍ ምዃኑ እናሓበርና፥ ብዛዕባ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ከኣ ንጹር ኣድራሻኹምን ብዝሒ ትደልይዎን ግለጹልና እሞ ክንሰደልኩም ኢና። ብዝያዳ ድማ ሕያው ቃል ኣምላኽ ተዘርጊሑስ ኣብ ልቢ ምእመናን ሠላሳ፥ ስሳን ሚእትን ፍረ ወንጌል ምእንቲ ክፈሪ፥ ሓጋዚ ርኢቶታትኩምን ጸሎትኩምን ከይፍለየና ብትሕትና ነዘኻኽር።
እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ።” (ሮሜ 1017)


ጉባኤ ካህናትን ዲያቆናትን መንበረ - ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

Hits: 2723