S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ሕሊና መልእኽቲ ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ

ድምፀይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሔር ኣእዊ ኣሎኹ፥ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፥ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣሎኹ። ተስፋ ክቖርጽ ምስ ቀረብኹ፥ ንሱ እንታይ ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይፈልጥ እዩ። በታ ዝሓልፈላ መገዲ ጸላእተይ መፈንጠራ ሓብኡለይ። የማነ ጸጋም ጠሚተ ዚረድኣኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ዘዕቍበኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ብኣይ ዚግደስ ሰብ የልቦን።

እግዚኣብሔር፥ ክትረድኣኒ ናባኻ አእዊ ኣሎኹ፥ ንስኻ መዕቆብየይ ኢኻ፥ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ዝደልዮ ግደይ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ መከራ ጥሒለ ስለ ዘሎኹ ኣውያተይ ስማዕ ኃይሎምኒ ኣለዉ እሞ ኻብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ካብ ማእሰርተይ ኣውጺእካ ሓራ ግበረኒ፥ ኣነ ኸኣ በቲ ዝገበርካለይ ሠናይ ኣብ ማእከል ጉባኤ ህዝብኻ ኸመስግነካ እየ። መዝሙር 142

 

መከራና ኣብ ምድሪ፥ ዓስብና ኣብ ሰማይ!

ደቂቀ እንጦንዮስተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ

ቴክሳስ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

Hits: 2626