S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርእይቶ - ካብ ሱታፌ-ኣመንቲ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ። ኣሜን።
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት  መድሃኔ ዓለም ባዕሉ ይሓግዝኩም። በሉ በርትዑ! ኣጆኹም ቀጽልዎ እናበልኩ እዘን ዝስዕባ ርእይቶታት እሰደልኩም፣-

1.ስብከት ወንጌል ይውሕደና ኣሎ' ሃየ ደኣ ብኣቦታት ካህናትን ኣሕዋት ዲያቆናትን ዝወሃብ ኣካፍሉና።
2.ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ከም ዝጀመረት ኣበሲርኩምና ኔርኩም። ከም ዝተዘርግሐት ድሮ'ው 2 ሕታም በጺሓ ከምዘላ ሓቢርኩምና። ስለዚ፣ ናብ ኩሉ ትበጽሓሉ መገዲ ወይከኣ ኣብ  መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ (tewahdo.org) ትወጻሉ መገዲ እንተተናድዩ እናበልኩ ኣምላክ ይሓግዝኩም። ቀጽልዎ እናበልኩ ብወገነይ ፍኖተ ብርሃን ክልቲአን ክበጽሓኒ ዝኽእለሉ መገዲ  ሓብሩኒ።

መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ መድሃኔ ዓለም ሰላም የውርደልና።
ቢንያም መ.

ርእይቶ ኣመሓዳሪ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ

ብጎይታ ፍቁር ሓው፣  ንያም፣
ስለ ርእይቶኻ እናመስገንና፣ ዝምልከቶም ኣገልገልቲ ንርእይቶኻ ኣንቢቦም መልሲ ክህብሉ ምእንቲ ብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ካልኦት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ክፈልጡ እሞ ክረብሕሉ ንርእይቶኻ ኣብዚ መርበብ' ኣውጺእናዮ ኣሎና። መልሲ ካብ ካህናት ንጽበ

 

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ርእይቶ ዝለኣኹልና፣ ስለ ሱታፌኹም እናመስገንና፣ ቤተ ክርስቲያን ስለኹም ወትሩ ናብ ጎይታ ትጽሊ።

ሰላም ወሰናይ!

Hits: 2426