S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሥራሕ ዓሻን ሥራሕ ለባምን ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ

  1. ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጉስ፥ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ ኣዲኡ እዩ። ምሳ፡ 10፡1
  2. ለባም ሰብ ብምስትውዓል ይዛረብ፥ ዓሻ ግና መቕጻዕቲ ይግብኦ። ምሳ 10፡13
  3. ለባማት ፍልጠት ይእክቡ፥  ዓሻ ክዛረብ ከሎ ግና ጥፍኣት የስዕብ። ምሳ 10፡14
  4. ክፉእ ገይረ ኢልካ ምሕጓስ ዕሽነት እዩ፥  ለባማት ግና ብጥበብ ይሕጎሱ። ምሳ 10፡23
  5. ንብጻይካ ብንዕቀት ምልዓል ዕሽነት እዩ፡ ለባም ሰብ ግና ስቕ እዩ ዝብል። ምሳ 11፡12
  6. ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዱ እያ፥ ዓሻ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ከም ቍንቍነ እያ። ምሳ 12፡4
  7. ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ተጸሪፉ ከሎ ከም ዘይተጸርፈ ይኸውን። ምሳ 12፡16
  8. ብዕሽነት ዚዝረብ ዘረባ ከም ዚቖርጽ ሰይፊ እዩ፥  ብልቦና ዚዝረብ ዘረባ ግና ፈውሲ እዩ። ምሳ 12፡18
  9. ለባም ሰብ ፈላጥ እኳ እንተኾነ ስቕ ይብል፥ ዓያሹ ግና ዕሽነቶም ይገልጹ። ምሳ 12፡23
  10. ምስ ለባም ዚመላለስ ለባም ይኸውን፥ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና ይጠፍእ። ምሳ 13፡20
  11. ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሓንጽ፥ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። ምሳ 14፡1
  12. ትዕቢት ንዓሻ ብዙሕ የዛርቦ፥ ለባማት ግና ብዘረባኦም ይሕለዉ። ምሳ 14፡3
  13. ንለባም ለባም ዝገብሮ እቲ ዝገብሮ ስለ ዝፈልጥ እዩ፥ ንዓሻ ዓሻ ዝገብሮ ዝፈልጥ ስለ ዝመስሎ እዩ። ምሳ 14፡8
  14. ዓሻ ሰብ ንኹሉ ይኣምን ፥ ለባም ግና ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን። ምሳ 14፡15
  15. ለባም ሰብ ይጥንቀቕ፡ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፥ ዓሻ ግና ደፋርን ህዉኽን እዩ። ምሳ 14፡16
  16. ኮራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፥ ለባም ግና ህዱእ እዩ። ምሳ 14፡17
  17. ለባማት ዘውዲ ሃብቲ ይደፍኡ፥ ዓያሹ ግና ኩሉ ጊዜ ዓያሱ እዮም። ምሳ 14፡24
  18. እቲ ንዅራ ደንጓዪ ለባም ምዃኑ የርኢ፥ ኮራዪ ግና ዓሻ ምዃኑ ይገልጽ። ምሳ 14፡29
  19. ካብቲ ሚእቲ ጊዜ ዚግረፍ ዓሻስ፥ እቲ ሓንቲ ጊዜ ዚግሰጽ ለባም ቀልጢፉ ይርድኦ። ምሳ 17፡10
  20. ዓሻ ንኹሉ ዅራኡ ይድርጉሖ፥ ለባም ሰብ ግና ይዓግቶ፡ ከምኡውን የህድኦ። ምሳ 29፡11

ብእዝራ ጸሓፊ

Hits: 4174