እምበኣርከስ ኣቱም ፍቁራተይ! እዚ ኹሉ ተስፋ እዚ ካብ ዝህልወናስ ካብቲ ሥጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ኹሉ ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን። ልብኹም ኣግፊሕኩም ክፈቱልና።
ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፥ ንሓደ እኳ ኣይጎዳእናን፥ ንሓደ ኣኳ ኣይተበለጽናሉን። እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኽወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከመይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኣኻትኩም ልብና ኽፉት እዩ። ብህይወት እንተ ኣሎና ወይ እንተ ሞትና ኹሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኢና። ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ኣሎኒ። ብኣኻትኩም ከኣ ኣዝየ እየ ዝሕበን። ተጸናኒዐ ኣሎኹ፥ ብዙሕ ጸበባ እኳ እንተ ኣሎና ሓጎሰይ ወሰን የብሉን (2 ቆሮ 7፡1-4)።