S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ፍቕረይ ደሪኽዎ

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ
ፍቕረይ ደሪኽዎ!
ኣየ ፍቕሪ!

ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ።

 

ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ

 

ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ ጎተትዎ

 

ንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦምከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከደ

 

ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርህን ብራዕድን ዝቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ

 

ነቲ ሓዳግ-ሓጢኣት ሓጥእ በልዎ

 

ነቲ ንመንንቲ ፈርድ ፈረድዎ

 

ነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ኣኽሊል ዝደፍኣሎም፣ ኣኽሊል እሾኽ ደፍእሉ

 

ነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዘልብሶም፣ ንላግጺ ቀይሕ ግምጃ ኣልበስዎ

 

ነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዝኽወልሉ፣ ንዕኡ እኩይ ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።

 

ነቲ ሰራዊት መላእኽቲ ብዓቢይ ስንባድ ዝሰግድሉ፣ እናሽኻዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።

 

ኣየ! ከመዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝብለ ትሕትና እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲኸ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ።

ከምዚ ዝበለ ቕሊኸ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።

 

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ፡

 

ኣየ ፍቅሪ! ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር!

 
 

ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቅሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።

 

ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ። ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።

 

ኣየ እተን ንኣዳም ዘፈጠራ ኣእዳው ብሽካር ኣብ መስቀል ተሸንከራ።

 

ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።

 

ኣየ! እቲ ንኣዳም መንፈስ ህይወትፍ ዝበለሉ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ [] ሰተየ።

 

ኣየ! ናይ ወላዲ መከራኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከንፈር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ።

 

ናይ ፍቁር ወልድ መከራ ኪንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፡ ሕልና ይዓረብ፡

 

ነፍሲ ትርዕድ፡ ስጋ ይደክም።

 

ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡

 

ንምውታት ከሕውዮም ሞተ።

 

 

ምንጪዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ (347-407 A.D)
source: John Chrysostom (347-407 A.D) (Golden mouth): liturgy
Page 2
Hits: 2956