S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈሳዊ ትምኒትና፡ ካብ ዶ/ር ተስፋይ ገብረመዲህን፡

ንጾም ዘበርትዕ ሓይልን ሰውነትን፡

ንጸሎት ዝተግህ ቀልብን ክፉት ልብን፡

ሰናይ ዝገብር ሕልናን ትግሃትን፡

ጽቡቕ ዝሪኢ ብርሃን ዓይንን ባህግን፡

ንበደል ዝርስዕ ኣእምሮን ሕድገትን፡

ይቕሬታ ዝሓትት ልሳንን ትሕትናን፡

ንዝተሽገረ ዝረድእ ኢድን ለውሃትን፡

ንዝተባእሱ ዘተዓርቕ  ዓቕምን ክእለትን፡

ንግፍዒ ዝምክት ጻዕርን ትብዓትን፡

ንምክብባር ዝሃንጽ ብልሕን ብልሓትን፡

ንጸገማት ዝጻወር ዓቕልን ትዕግስትን፡

ንፍቕሪ ዝዕቅብ እምነትን ጽንዓትን፡

ኣብ ሕድሕድና ዘራዳድእ ንቕሓትን ብቕዓትን፡

ኣብ ሂወትና ዘቕስን ሰላምን ርግኣትን፡

ንቤተ ክርስቲኣን ዝረድእ ጸጋን በረኸትን፡

ክህበና ናይ ልዑል ኣምላኽና ፍቓድ ይኹነልና፡

 

ጸጋ በረኸቱ ክንረክ'ዩ ናይ ወትሩ ትምኒትና።

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመዲህን፡

ሚያዝያ 2026

Hits: 124