መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ-ልደት ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና፡ ብፍሉይ ክብርን ዝኽርን ክበዓል ምዃኑ ንሕብር።
እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝኽሪ 90 ዓመት፥ ኣብ መበል 19ተ ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ (19 ሓምለ – 23 ሓምለ)፥ ብመሪሕነት ጳጳስ ዲበ-ኩሉ (ዓቃቤ-መንበር) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብጸሎተ-ምህለላን ሽምዓ ብምውላዕን ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 25፡36 "ሓሚመ በጻሕኩምኒ፥ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ..." ዝብሎ ዘኪርና፡ ነዞም ብመሣርሕቶምን ብዝሾሙዎምን ጳጳሳት ዝተጠልሙ፥ ነዞም ኣብ ገዛእ ዓዶም ብመንግሥቶም ብፍሉይ ጭካነ ኣብ ማሕዩር ገዛ ዝተዳጎኑ፥ ነዞም ካብ ቅዱስ ቍርባንን ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያንን ከይረግጹ ዝተኾነኑ፥ ነዞም ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን ከይራኸቡ መሰሎም ዝተነፍጉ፥ ነዞም ካብ ንትእዛዝ ሰብ፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ዘቐደሙ፥ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመቶም ኣብ ዝግበር ጸሎተ-ምህለላን ዝኽሪ ኣስተንትኖን ተሳተፍቲ ክትኮኑ ንኩልኹም ኣመንቲ ብኽብሪ ንዕድም።
ከም ዝፍለጥ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብጽንዓት እምነቶም፥ ብለውሃቶም፥ ብትዕግሥቶምን ብመንፈሳዊ ትሕትንኦምን ዝልለዩ፥ ትጉህን ውፉይን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን፥ ብጾምን ጸሎት ዝልለዩ ኣብነታዊ ኣቦ-እምነት ምዃኖም ብዙሓት ሰባት ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ስለ እምነቶም ብዘይ ሓደ በደልን ገበንን ንልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ማሕዩር ይሳቐዩ ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ፍትሕን መፍትሕን ዘይምርካቡ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝንን ኩሉ ሰብ ዓገብ ክብልን ይግባእ።
ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብ1927 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ ዝተወልዱ፥ ኤርትራዊ ኣቦን ዝለዓሉ መንፈሳዊ መራሒ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ብሕይወት ዘለዉ ውፍይ ሰማዕትን እዮም። ኣብ ዝኽሪ ዕለተ ልደቶም ድማ ካብ 1927 ክሳብ 2017 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ኣብ ውሽጢ 90 ዓመት ዕድመ ጉዕዞ ሕይወቶም ዘሕለፍዎን ዝሓለፍዎን ኩነታት ብኽብሪ ክዝከርን ክንገርን እዩ። ጸሎትን ቡራኬን ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኩላትና ይኹን።
ደቂቀ እንጦንዮስ፥ ዘክርስቶስ