S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ቅዱሳን ዓቢ ግደ ኣለዎ

“ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።” (1 ተሰ 5፡25)

ሓንቲ መኪና ክትጐዓዝ ከላ ንዝረኣያ ሰብ፡ ማዕጾ፡ መስኮት ብፍላይ ድማ እግሪ ጐማታት ስለ ዘለዋ ጥራሕ ትንቀሳቐስ ዘላ ዝመስሎ ውሑድ ኣይኮነን። ብሓቂ ግና በቲ ጐማ ዘይኮነስ በቲ ኣብ ግዳማዊ ክፍሊ ናይታ መኪና ዘይርአ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓይሊ ዝህባ ሞተር ትንቀሳቐስ ምዃና ምስትውዓል የድሊ። ከምኡ ድማ እቲ እነገልግሎ ኣገልግሎት፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ምእንቲ ክኸውን፡ ዝያዳ እቲ ናትና ጻዕሪ ሓይሊ ኮይኑ ደው ኣብ ምባልናን ብትግሃት ኣብ ምዕያይን፡ ጸሎት ቅዱሳን ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ። ቅ. ጳውሎስ ዝኣክል ዓቢይ ሃዋርያ ናይ ጸሎት ደገፍ ካብ ኣድለዮ ክንደይ ግዳ ንኣና ዘየድልየና። (ሮሜ 15፡30-32፣ ኤፌ 6፡18፣ ቈሎ 4፡12፣ ቈሎ 1፡3-4)

ኣስተንትን

1. ንምንታይ ኣብ ህይወትካ ሰባት ብጸሎት ክድግፉኻ ትደሊ፧

2. ብጸሎት ክትድግፎም ዝግብኣካ ሰባት ትጽልየሎምዶ፧

3. ጐይታ ሰባት ብጸሎት ክድግፉና ምምራጹ ዕላምኡ እንታይ እዩ፧

ጐይታ፡ ስለ ካልኦት ብትግሃት ክንጽሊ፡ ጸዓትን ጾርን ክህበና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Hits: 1962