S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጽቡቕ ፍረ ዶ ትፈሪ ኣለኻ?

“ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ክፉእ ኦም ክፉእ ፍረ ይፈሪ” (ማቴ 7፡17)

ንዓመታት ተካናኺንኻ ዘዕበኻያን ዝጸዓርካላን እሞ ኣብ መወዳእታ ዓንቢባ፡ ብዙሕ ፍረ ፈርያ መጠን'ቲ ዝጸዓርካላ ክትሕጐሰላን ኣብ ከባቢኣ ፈርያን ኣጉለዕሊዓን ክትርኢ ከለኻ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ጐይታ ኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ ከም ዝበለ ኣብቲ ሓቂ ጉንዲ ክሳብ ዘለና ናይ ግድን'ዩ ዝቕንጠብ ፍረ ክህልወና። ሎሚ መጠን'ቲ ዝተኾስዀስናዮ፡ ዝሰተናዮ ማይ፡ ዝተበልናዮ ድኹዒ ናይ ግድን እዩ ክንፈሪ። እንተ ዘይኮይኑ ዘይፈሪ ዘበለ ኵሉ ናብ ወጻኢ ናብ ምንዳድ ሓዊ ከምዝድርበ ኵላትና ንሰማምዓሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ። ሎሚ ጐይታ ዝቕንጠብ ፍረ ካብ ነፍሲ ወከፍና ይደሊ። እታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሓደ መዓልቲ ነታ ንሰለስተ ዓመታት ተመላሊሱ ግን ፍረ ዘይረኸበላ ተኽሊ ወይኒ ነቲ ሓላዊ ወይኒ ክርጻ ነጊርዎ። ስለዚ ዘይፈሪ ዘበለ ኵሉ ክረጽ ናይ ግድን እዩ (ሚክ 7፡1)። ስለዚ ሎሚ ኵሉ ጊዜ ናብ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ እናጠበቕና፡ ነባሪ ዝኸውን ፍረ ክንፈሪ ይግባእ። ብመሰረቱ ፍረ ዘይምፍራይናስ ምቁራጽን ናብ ሓዊ ምድርባይን ስለዘብጽሕ።

ፍረ ክንፈሪ ኣብቲ ጉንዲ ድማ ክንጸንዕ ኣብ ጥቃ ወሓዚ ማይ ድማ ክንትከል ነቲ ፍረ ዘይህብ ዘበለ ኵሉ ጉንዲ ቆሪጽና ብጸጋ ኣምላኽ እንዳ ወሰኽና ክንከይድ የድሊ ምኽንያቱ እቲ እንፈርዮ ፍረ ነባርን ብዙሕን መታን ክኸውን። (መዝ 1፡3፣ ማቴ 3፡10፣ ዮሃ 15፡5)

ኣስተንትን

1. ዘይፈሪ ዘበለ ኵሉ ከም ዝረጽ: ሎሚ ኣብ ህይወተይ ዘይፈሪ ዘበለ ምቁራጽ ዘድልዮ እንታይ ኣሎ?

2. ዝቕንጠብ ፍረን ነባርን መታን ክህልወኒ ኣነ ብውልቀይ ክገብሮ ዝግባኒ ነገር እንታይ እንታይ ኣሎ?

ኵሉ ጊዜ ነባሪ ዝኾነ ዝቕንጠብ ፍረ ክህልወና ጐይታ ከጽርየናን ክድኵዓናን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Hits: 1670