S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ዎ ኣግዚኣብሔር” ክሳብ መዓስ

“ዎ እግዚኣብሔር” ክሳብ መዓስ እዩ መከራና ክቕጽል፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ይቕረ ዘይትብለልና፡ ብሓቂ ድዩ ተስፋና ጸልሚቱ፧ ካንዶ ሥጋና ንኣሞራን ንዓሳ ባሕርን ክንከውን ፈሪድካናን ደርቢኻናን ኢካ፧ ወረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ንኣውያትና ዘይትሰምዓና፧ ዎ እግዚኣብሔር  እቲ ብዘመን ኣቦታትና ዝነበረ ምሕረትኻ ኣበይ ተሰወረ፧ በጃኻባ ዘክረና፡ ንድኻምና ኣይትጸብጽብ፡ ይኣክል በለና። ዎ እግዚኣብሔር ንሓድሕና ክንማናጨት መሰክሒ ዓለም ኰይና ኢና’ሞ ዝንሳሕ ልቦና ሃበና፡ ካብዚ ንደሓር ነዚ መከራ እዚ ክንጻወሮ ዓቕሚ የብልናን።

ጽንዓት ንስድራቤት፡ መንግሥተ ሰማይ ንምዉታት፡ ልቦና ንኹላትና ሃበና

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Hits: 2219