በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መእተዊ፡- እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስደዱ እዮም። 2ጢሞ 3፥12 …ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ።ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። 2 ጢሞ 3፡14
ቅዱስ-ወንጌል
- ወንጌል ንዝኣምን ዘድኅን ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ። ሮሜ 1፡16
- ወንጌል ብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር እዩ። ማቴ 4፡23
- ወንጌል ጥዑም ዜና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 10፡15
- ወንጌል ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ እዩ። ሮሜ 1፡17
ትምህርቲ ወንጌል
- መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ። ማቴ 4፡17
- ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድኅን እዩ። ማር 16፡16
- ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብኹሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ። ማቴ 22፡37
- ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ። ዮሓ 3፡36
- ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ ዝሰተየ ሕይወት ዘለዓለም ኣላቶ።ዮሓ 6፡54
- ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ። ዕብ 11፡6።
መምህራን ወንጌል
- ጴጥሮስ ተፍቅረኒ እንተ ኮንካ ዕያውተይ ኣብልዕ ኣባግዐይ ሓሉ። ዮሓ 21፡15
- ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ግደ ካህናት እዩ።ሚል 2፡7
- ኩሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር ብእኡ ጸጋን ሓዋርያነትን ተቐበልና። ሮሜ 1፡5
- ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን ክሰብኽ ምዙዝ እየ።እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 1ቆሮ 9፡16
- ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዝሰማማዕ መሃር። ቲቶ 2፡1
- ነቶም ኣመንቲ ብቓል ብኣካይዳ ብፍቕሪ ብእምነት ብንጽህና ኣርኣያ ኩኖም።1 ጢሞ 4፡12
ተማሃሮ ወንጌል
- ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ድማ ወንጌል ስበኹሉ።ማር 16፡16
- ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ፡መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ ኢልኩም ስበኹ።ማቴ 10፡5
- ብዙሓት ንሠናይ መን እዩ ዘርእየና ይብሉ ኣለዉ።መዝ 3፡6
- ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ ጓሳ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ስለዝነበሩ ራሕርሓሎም። ማቴ 9፡36
- ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም፡ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ንገሊኦም ድማ ደንግጽሎም።ይሁ 1፡22
መጠቓለሊ
- ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብሥራት መንግሥቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ ፡ምእንትዚ እየ መጺአ ዘሎኹ። ሉቃ 4፡43
- ንስኻትኩም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ኩላ ይሁዳን ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም።ግሓ 1፡8
- እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብምሉእ ምርዳእን እምበር ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። 1ተሰ1፡5
- ኣብ ጽቡቅ መሬት ዝወደቐ ዘርኢ ገለ ሠላሳ፡ገሊኡ ስሳ፡ገሊኡ ድማ ሚእቲ ፈረየ። ማቴ 13፡8
- ትምህርቲ ወንጌል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብደረጃ ስድራ ቤት፥ ብደረጃ ዓዲ ፥ ብደረጃ ሃገር ፥ ብደረጃ ዓለም ይስፋሕ። ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ንዕዮ ወንጌል ብትግሃት ፍቕርን ትሕትናን የገልግል።
- ንኣርኪጶስ ድማ “ነታ ብጎይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት ከም እትፍጽማ ግበር” በልዎ። ቆላ 4፡17። ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳብ ዝፍጽምን እቲ ጎይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳብ ዝውድእን ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፡፡ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። ግሓ 20፡24
ኣምላኽ ብወንጌለ-መንግሥቱ ይባርኸና !!!
ቀሲስ ሓለፍም ዓንደማርያም
ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ 29 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም.ፈ