S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓደ ኣብ ቅድስና ህይወት ዘሎ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ዝርኣዩ ፍጻሜታት

+መንፈሱ ርጉእን ሰላም ዘሎዎን ይኸዉን።

+ጎይታ ይባርኾ።

+ፍቃድ እግዚኣብሔር  ይፍጽም።

+ኣብ ህይወቱ ዉድቀት ዝበሃል ኣየጋጥሞን።

+መንገዲ እዚኣብሔር ኣይስሕትን።

+መንፈሳዉን ኣካላዉን ስነ ኣእምሮኣዉን ህይወቱ ዝሓለወ ይኸዉን።

+ኣብ ህይወቱ ዕዉት ይኸዉን።

+ኣብ ህይወቱ ሕጉስ፡በዓል ፀጋ ፡ብዘለዎ ዕጉብ ይኸዉን።

+ንጹህ ዝኾነ ራእይ ኣለዎ።

+ ፈርሒ ካብኡ ይርሕቅ።

+ኣብ ህይወቱ ዘጋጥሙዎ ጸቕጥታት ይንክዩ።

+ጥበበኛ ይኸዉን።

+ኩሉ ሰብ ኣድላዩን ክቡርን ሙኻኑ ይርዳእ።

+ልዑል እግዚኣብሔር ንኩሉ ከም ዝርኢ የስተዉዕል።

+ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ነገራት ብኸመይ ከም ዝፍጸሙ ይርዳእ።

+ናብ ብሩህ መጻኢ የቋምት።

+ንካልኦት ኣብነት ይኸዉን።

+ኣብ ኣእምርኡ ቀንዲ ንእግዚኣብሔር ኣምላክ የቐድም።

+ናብ ሞት ዝወስድ ግብርታት ኣይፍጽምን።

+ሓይሊ እግዚኣብሔር ኣብኡ ይርኣይ።

+ዝጽልዮ ጸሎት ሓይሊ ኣለዎ።

 

Hits: 2494