S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንሕቶኹም

ብመጀመርያ ብእግዝኣብሄር ሰላምታይ ይብጻሕኩም ኽሓተኩም ደልየ ዘለኩ ሕቶ ድማ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ስነ-ጽሕፍኹም፣ ዮፍታሄ ዚሰደዳ ኢልኩም ስለ ካተሊክ ዚሓረድዎ ስጋ ኣይትብለዑ ትብል ጽሕፍኩም፡ 

እቲ ኣጋላልጻኩም ኦርቶደክስን ካቶሊክን ሓደ ከም ምኻኑ ኢዩ  ዘስምዕ፣ ምክንያቱ እቲ ንባብ ከምዚ ይብል (ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ድማ ንሓድሕድና ተፋቒርና ንኣምላኽ ከነስምርን ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።) ይብል ስለዚ

(1) ስለ እምነት ምስ ካተሊክ እንታይ ዘራክብ ኣለና፧

(2) ዚተፈላለየ ፍቕሪ እንድዩ ዘሎ፣ ግን እንታይ ዓይነት ፍቅሪ ምስ ካተሊክ ንኣምላክ ከነስምሮ፧ እዘን 2 ሕቶ ክትምሉስለይ ብትሕትና ይሓተኩም፧

ኣምላኸ እስራእል ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

ኣምበሳጅር


ሕቶ:- (1) ስለ እምነት ምስ ካተሊክ እንታይ ዘራክብ ኣለና፧

መልሲ:- እቲ መግለጺ ካቶሊክ ዚሓረድዎ ስጋ ክንበለዕ ስኽፍ ክብለና ኣይግባእን ንምባል ዝወጸ እዩ። ካቶሊካውንያን ይኹኑ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና። እቲ ቀንዲ ክርስቲያን ክንበሃል ዝድርኸና ሒ ነገር ድማ ንኩልና ዝምልከት እዩ። ከምውጽኢቱ ካብ ዝፈላልየና ዘራኽበና ይበዝሕ ይኹን እምበር ኣብዞም ዝስዕቡ ነገራት ግና ፍልልይ ኣሎና።

ሕቶ:- (2) ዚተፈላለየ ፍቕሪ እንድዩ ዘሎ፣ ግን እንታይ ዓይነት ፍቅሪ ምስ ካተሊክ ንኣምላክ ከነስምሮ፧

መልሲ:- ክርስቲያናዊ ፍቕሪ

 

ዑቅበ ዘመደ

ኣገልጋሊ/ዲያቆን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

Hits: 2995