S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርግጽ ኣብ ንሕድሕድኩም ምክሳስ ምህላዉ ብሱሩ ዕንወት እዩ! 1ቆሮ 6፡7

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 2005 . ብጭዋ ዮፍታሄን ገለ ሰዓብቱ ጳጳሳትን ዝጀመረን ገና ሕጂውን ዝቕጽል ዘሎ ምክሳስን ባእስን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብሓቂ ንኣምላኽ ዘጉሃየን ንኹሉ ቅኑዕ ሰብ ዘሕዘነን ሕማቕ ፍጻመ እዩ።

እቲ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብኃይሊ ደፊእካ፥ ካብ መንፈሳዊ ጉስነቶምን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶምን ብምስጓግ ዝተጀመረ ዕንወትን ጥልመትን ከኣ ከም ሕማም መንሽሮ ናብ ኩሉ እናኣስፋሕፍሐ ንኹሉ ኣማኒ ተዋህዶ ጎዲኡን ኣጥፊኡን ኢዩ። በቲ ዝተፈጸመ ዘይሕጋውን ህዉኽ ናይ ጥፍኣት ስጉምትን ድማ ኣብ መንጎ ውሉደ ክህነት፥ ኣብ መንጎ ምእመናንን ኣብ ስድራ ቤታት ከይተረፈ ምብትታን፥ ህልኽ፥ ጽልእን ቅርሕንትን ኣስዒቡ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ክዳኸማ፥ ብዙሓት ምእመናን ተስፋ ክቖርጹ፥ ተካእቲ መንእሰያትና ንሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያኖም ገዲፎም ናብ ካልእ እምነታት ክበታተኑ ጸኒሖምምን ኣለዉን እዮም። ብተወሳኺውን ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና መላገጽን መስሓቅን ዘይቅኑዓት ሰባት ኮይና ናብ ዝገደደ ዕንወትን ውድቀትን ተምርሕ ከም ዘላ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ወሪዱና ዘሎ ኩሉ መዓት ድማ እምነት-እግዚኣብሔር ስለ ዘጉደልና፥ መንፈሳዊ ፍቕሪ ስለ ዘጥፋእና፥ ንቅኑዓት መንፈሳውያን መራሕትና ስለ ዝጠለምና፥ ንሓቅን ዕርቅን ስለ ዝተሓሰምና፥ ብሓፈሻ ነቲ ቅኑዕ መገዲ የማን ገዲፍና ብጓል መገዲ ክንጎዓዝኣሜን’ ስለ ዝበልና ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ከምቲ ኣቦና ዳዊትኩሎ ዐረየ፥ ወኅቡረ ዐለወማለትኩላቶም ተጋግዮም፥ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም”! (መዝ 143) ዝበሎ፥ ሓደ ለባምን ክቡርን ንኣምላኽ ዝፈርህን ሽግርና ዝፈትሕን ቅኑዕ-ሰብ ስለ ዝተሳእነ ከኣ ኣብ መርገም ሕድሕድን ምውግጋዝን ኣቲና ሰይጣን ዝሕጎሰሉ ናይ ጥልመት ግዜ በጺሕና ኣሎና።

ብመሠረቱ ሕድሕዳዊ ምክሳስ ኣብ ኣመንቲ ተዋህዶ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይኮነ ንረብሓ ሰይጣን እዩ።

  1. ምክሳስ ኣብ መንጎ ጳጳሳት
  2. ምክሳስ ኣብ መንጎ ካህናት
  3. ምክሳስ ኣብ ምንጎ ምእመናን

ዝርዝር መብርሂ

1. ቀንዲ ምኽንያት ምክሳስ ኣብ መንጎ ጳጳሳት

2. ቀንዲ ምኽንያት ምክሳስ ኣብ መንጎ ካህናት

3.ቀንዲ ምኽንያት ምክሳስ ኣብ መንጎ ምእመናን

እምበኣር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉንሓድሕዳ እትፈላለ ኩላ መንግስቲ ትወድቕ፥ ንሓድሕዳ እትፈላለ ኸተማ ወይ ቤትውን ኣይትቐውምን እያከም ዝበለ ኣብ ቅዱስ ወንጌል (ማቴ 1225) ምእንቲ ኩሉ ሕማምና ክፍወስ፥ ሰማያዊ ተስፋውን ክሕደስ፥ ከምኡውን ብሓቅን ጽድቅን ምእንቲ ክንመላለስ፥ ናብቲናባይ ተመለሱ፥ ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየኣነ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት ተዛሪበ ኣሎኹ። (ዘካርያስ 13) ዝበለ ሕያው እግዚኣብሔር ቃሉ ኣሚንና ብንስሓን ጣዕሳን ናብ ኣምላኽና ንመለስ!! ጎይታ ዝጣዕስ ልብን ዝንሳሕ ኣእምሮን ይሃበና!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Hits: 2314