S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዳግማይ ናይ ፍቅሪ ትእዛዛት

ገላትያ 5:22-23እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ ሓጎስ ዕርቂ ዓቕሊ ለውሃት ሕያውነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። የሕዋት ሓቢሮም ኮይኑም ተባኢሶም መንገዶም ብፍቅሪ ክመርሑ ክትርኢ ከሎካ ክንደይ ሰናይ እዩ። በንጻሩ ግን መሊሶም ንሕብረቶም ኮነ ንባእሶም ሓጥያት እንተወሰኩሉ ግን ጻማ ናይ ሕዝቦም ጻማ ሃገሮም ብዓቤኡውን ፈሪሓእግዚኣብሄር ኣልቦ ዝኾነ ስርሖም ፍረ ዘይብሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ ማይ ምሕቋን ኮይኑ ይተርፍ

ኤፌሶን 6:4ኣቱም ኣቦታትውን ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጎይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር ኣይተዀርይዎም። ጎይታና ክርስቶስ ፍቅሩ ምእንቲ ክገልጸልና ኢሉ ከም ሰብ ተፈጢሩስ ምስ ኩሉ ሐይሉ ኩሉ ሐልዮቱ ንድሕነቱ ኣብ መስቀል ሸንኪርናዮ።  እቲ የዋሕ ጎይታ ግን ስለ ሓጥያትና ደመየ: ደኸመ: ቆሰለ: ከርተተ ከም በጊዕ ተጎተተ። ከምኡ ኮይኑውን ብሓጥያትና ኣይፈረደናን ኣይተጸባጸበናን መሊሱ ድኣ ለመነልና ኣቦዪ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣይፈልጡንእዮም እሞ ኣይትሓዘሎም እንዳበለ። ንዓናዉን ኣይትፍረዱ ፍቅሪ ይኹን እምነትኩም ይብለና ኣሎ። እሞ ክቡራት የሕዋተይ ፍቅሪ ንኹሉ ዓይነት ሓጥያት ትሽፍን እያ እሞ ፍልልይና ነጽብቦ ብዘዪገድስ መን እዩ እቲ በደለኛ ከመይሲ ስለ ሓጥያትናን ስለበደልናን ክርስቶስ ከም እተሰቅለ ኣይንረስዕ

ኤፌሶን 4:31-32ብዘሎ መረርን ነድርን ዅራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ዅሉ ኽፍኣትን ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሓቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኼንኩም ይቕረ ተባሃሀሉ

እምኣርከስ ኣመንቲ ክርስቶስ ዓንዲ ፍቅርና ብሕልክን ብቒምታን ዘይኮነስ ዓንዲ ፍቅርና ብደም የሱስ ክርስቶስ ንህነጾ። እቲ ኹሉ ዚከኣሎ ጎይታ ድማ ሎሚ እዉን ከምትማሊ ንዘለኣለም ደቀዪ ኣጆኹም ይብለና ኣሎ እሞ ሃዪ ምሉእ ፍቅሪንኽህልዎ ጉዕዞና ሓቢርና ብእምነት ንጸሊ።

Asmarana91

Hits: 2207