S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስለ ምንታይ፥ ኣብ ተዋህዶ ጥራይ?

ስለ ምንታይ ምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ብሓላፊ ጉዳይ ንሕድሕዶም ዝራግሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ናይ ኤድስ ሕሙማት ኣብ ተዋህዶ ብዝያዳ ዝበዝሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ መንእሰያት ተዋህዶ ካብ ቤተ ክርስቲያኖም ናብ ካልእ ሃይማኖት ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ኣመንቲ ተዋህዶ ሰብ ሓዳር ብዝያዳ ዝፋትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ገለ ጳጳሳትን ውሉደ-ክህነትን ሓቂ ከይዛረቡ ንሰብ ዝፈርሑ ?

ኤረ ስለምንታይ’ከ ሙዳየ-ምጽዋትን ሞባእን ተዋህዶ ጥራይ ብኃይልን ዓመጽን ዝጕሕጉሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ንምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝሞቱ ኣብ ኤርትራ ብጸሎት ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ካህናትን ዲያቆናትን ተዋህዶ ጥራይ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ብብዝሒ ምእመናን ተዋህዶ መነኮሳት ከይተረፉ ብስደት ዓዶም ዝርሕርሑ ?

ኤረ ስለምታይ’ከ ኢዮም ሕጋዊ ፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ገለ ካብ ተዋህዶ ብስቅያት ኣሕዋቶምን መራሕቶምን ብሥጋ ዝረብሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኩሎም ህዝቢ ተዋህዶ ብሓባር ሰሚሮም ማዕጾ ቤት እግዚኣብሔር ዘይኩሕኩሑ ?

በሉ መዓልቲ ፍርድን ሞትን ከይመጸት ናብ መንፈሳዊ ዕርቅን ይቅሬታን ኣምርሑ!

ውሽጣዊ ቁስልና ከይሓባእና’ውን ብልቢ ተጣዒስና ንነሳሕ ተነስሑ !!!

ዕዝራ ጸሓፊ

Hits: 2869