S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል መስቀል ኣብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ብክብ ዝበለ ስነ ሥርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ

ክቡር በዓል መስቀል፡ ብብዝሒ ምእመናን ተዓጂቡ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን፡ መዘምራን መንእሰያትን ዓበይትን ተሰንዩ ኣዝዩ ብዘሕጉስ ድምቀት ተከቢሩ።

ኣብቲ ዕለት ነቲ በዓል ዝምልከት ትምህርቲ፡ ብክቡር ቀሲስ ዶክቶር ኣስሞሮም ሞሳዝጊ ኣገልጋሊ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣዝዩ መሳጥን ሃናጽን ዝኾነ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።


ኣብ ትምህርቶም፡ መስቀል ኃይልና መስቀል ጽንዕና፡ መስቀል መድኃኒት ነፍስና፡ ክንብል እንከሎና፡ ብኹለንትናና ክንብሎ ይግብኣና። ብተለምዶ ግቡእና ጥራይ ኮይኑ ዘይኮነስ ብተመስጦ ሒልናን ብውሽጣዊ መንፈሳዊ ድርኺትን ተሰኒና ክንብሎ ከነኽብሮ እዩ ዝግባእ ዚብል ካብ 1ቈሮ.118-25 ዘሎ መሠረት ብምግባር ልቢ ምእመናን ዝመሰጠን ዘረስረሰን ትምህርቲ ኣቕሪቦም።


መንእሰያት ናይቲ ቤተ ክርስቲያንውን ነቲ በዓል ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ድራማ ሓዘል ትምህርቲ ንሕዝቢ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ቀሲስ ዶክቶር ኣስመሮም ሞሳዝግን ብምዃን ነቲ ዳሜራ ባሪኾም ወሊዖሞ። ምእመናን ብመዝሙርን ብዕልልታን ሓጎሶም እናገለጹ፡ ኣቦታት ሆየ ሆየ፡ ዓመት ንዓመታ የድግመና እናበሉ፡ ኣዴታት ድማ ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ ዚብል ባህላዊ ደርፍታት ተሰንዩ እቲ ጽምብል በዓል ተኻይዱ።


ኣብ መውዳእታ ድማ እታ ዳሜራ ናብ ምብራቕ ገጻ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሕዝቢ ናይ ጽቡቕ ተስፋን ምንዮትን ምዃኑ ሓጎሱ ገሊጹ።

ስእላዊ መግለጺ ተተሓሒዙ ዘሎ ተመልከት

 

እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቕድስት ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።
ጸሎትን ቡራኬን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡
ጸሎትን ቡራኬን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ኣይፈለየና።
ንሃገርና ድማ ናይ ሠናይ ፍረን በረኸት ዘለዎ ቀውዕን ይግበረልና።
ኣሜን።
Hits: 3093