S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስለ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79 2-3) ብዝብል መዝሙር ምስጋና፣ ሰንበት 20 ሰነ 2010 .

ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ኣብ መላእ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ተኻይዱ። ዝኽሪ ስውኣትና፡ ንኩሉ ዓይነት ሕብረተ ሰብና ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ፍትሓት ዘኪርዎም።


እዞም ምእንታና ሓሊፎም ኢልና እንዝክሮም ስዉኣትና፡ ክብርቲ ህይወቶም ክህቡ እንከለዉ፡ ዓላምኦም ኣብ ውሱን ውልቃዊ ረብሓ ዝተሰረተ ኣይነበረን። እታ ኣብ ኣጋ ምሕላፍ ህይወቶም ዚብልዋዓወት ንሓፋሽ" እትብል ቃል እኳ ነቲ ብድሕሬና ዝተርፍ ኩሉ ዓወት ይኹነሉ ማለት እዩ። ዕውት ሕብረተ-ሰብ ዚበሃል ድማ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ምሉእ ናጽነት ተጠቒሙ፡ ብናጽነት ነታ ክሕልዋ፡ ከማዕብላ፡ ክኸናኸና ዝተዋህበቶ መሬት ብዘይ ፍርሂ ምስ ዝነብረላ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ቃላት፣ ብሕጊ፣ ብፍትሕን ርትዕን ተማእኪልካ ብማዕርነት እትነብረላ ሃገር ምውናን ማለት እዩ።


ተወሳኺ፡ ዓመት መጸ ብዛዕባ መቓብሮምን ሬሳኦምን ምስቁርቋር ዘይኮነስ፡ ብህይወት ዘለዉ ወለዶምን ደቆምን ክንጥውር መንፈሳዊን ሞራላዊን ግዴታና ምኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

Hits: 2136