ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ: ግዚኣብሔር ሓድነቱን ሰለስቱነቱን ዘግሃደሉ ዕለት፣ ነቲ እሙን "ዓርኪ-ኣምላኽ ኣቦ ምእመናን" እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣብርሃም: ዓስቢ እምነቱ ዝተቐበለሉ ዕለት ምኻኑ መሳጢ ትምህርቲ ቀሪቡ።
ቀጺሎም ብልብሰ-ተክህኖ ዝማዕረጉ መዘምራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ከኣ ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጎስን ኣብ ገጾም ይንበብ ኔሩ። ብድሕሪዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። እግዚኣብሔር ብሰላም ሓልዩ ንዓመታ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።