S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ካብ ቀዳም 11 ክሳብ ሰንበት 12 ሓምለ 2009 (ሓምለ 4-5/ 2001 ዓ.ም. ግእዝ) ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣመሪካ ብዝመጹ ሊቃውንቲ ውሉደ-ክህነትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ምእመናን ተኸቢሩ።
ድሮ እቲ ክብረ በዓል ቀዳም ብዋዜማ ዝጀመረ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ብስብሓታት ማህሌትን ቀጺሉ ሓዲሩ። ሰንበት ድማ ብቅዳስሴን ዑደትን ተዛዚሙ።

ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ: ግዚኣብሔር ሓድነቱን ሰለስቱነቱን ዘግሃደሉ ዕለት፣ ነቲ እሙን "ዓርኪ-ኣምላኽ ኣቦ ምእመናን" እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣብርሃም: ዓስቢ እምነቱ ዝተቐበለሉ ዕለት ምኻኑ መሳጢ ትምህርቲ ቀሪቡ።

ቀጺሎም ብልብሰ-ተክህኖ ዝማዕረጉ መዘምራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ከኣ ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጎስን ኣብ ገጾም ይንበብ ኔሩ። ብድሕሪዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። እግዚኣብሔር ብሰላም ሓልዩ ንዓመታ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።

 

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል
ኣብ ምእመናን ዝነበረ ፍስሃን ሓጎስን  ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከሱ።
Hits: 3337