ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣትላንታ። ናብ ክቡራት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:ንዕለት 4 ሚያዝያ 2009 ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ-ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ እዩ። ብተወሳኺ፣ መበልዓስራይ ዓመት ቤተክርስቲያንና ስለ ዝኾነ ኩሉኹም ነዚ ድርብ መንፈሳዊ በዓልን ምኽባር ኽትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድም። ትርጉም እዚ በዓል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ክብሪ ሰማያት ራሕሪሑ ሥጋና ለቢሱ ከድሕነና ዝኸፈሎ ዋጋ ዘዘክረና ዕለት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ወንጌል 3፡16 ዝብሎ ”በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ስለዚ ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናዘከርና ነዚ በዓል ተሳተፍቱ ንኹን።ሰዓታት መደብና
ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2009:- ዋዜማ: ሰዓት 6፡00- 8፡00 pm
ቀዳም 4 ሚያዝያ 2009
1. ስብሓታትን ማሕሌትን 5፡00 - 8፡00 ንጉሆ
2. ጸሎተ ቅዳሴ 8፡00 - 10፡00 ንጉሆ
3. ስብከትን ዑደት 10፡00 - 12፡00 ቀትሪ
4. ምሳሕ ንግደትን መዛሙርን 12፡00 - 5፡00 ድ/ቀትሪ
ብተወሳኺ፣ ንናኣሽቱን መንእሰያትን ዝኸውን ዝተፈላለየ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።
በረኸት ኣምላኸ-ሰላም መድኃኔ ዓለም ምስ ኩልና ይኹን !
እግዚኣብሔር የሰንኹም
ሰበኻ ጉባኤ