S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ

ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣትላንታ። ናብ ክቡራት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:
ንዕለት 4 ሚያዝያ 2009 ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ-ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ እዩብተወሳኺ፣ መበልዓስራይ ዓመት ቤተክርስቲያንና ስለ ዝኾነ ኩሉኹም ነዚ ድርብ መንፈሳዊ በዓልን ምኽባር ኽትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድም። ትርጉም እዚ በዓል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ክብሪ ሰማያት ራሕሪሑ ሥጋና ለቢሱ ከድሕነና ዝኸፈሎ ዋጋ ዘዘክረና ዕለት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ወንጌል 316 ዝብሎበቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።ስለዚ ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናዘከርና ነዚ በዓል ተሳተፍቱ ንኹን።

ሰዓታት መደብና

ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2009:- ዋዜማ: ሰዓት 600- 800 pm

ቀዳም 4 ሚያዝያ 2009

1. ስብሓታትን ማሕሌትን 500 - 800 ንጉሆ

2. ጸሎተ ቅዳሴ 800 - 1000 ንጉሆ

3. ስብከትን ዑደት 1000 - 1200 ቀትሪ

4. ምሳሕ ንግደትን መዛሙርን 1200 - 500 /ቀትሪ

ብተወሳኺ፣ ንናኣሽቱን መንእሰያትን ዝኸውን ዝተፈላለየ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።

በረኸት ኣምላኸ-ሰላም መድኃኔ ዓለም ምስ ኩልና ይኹን !

እግዚኣብሔር የሰንኹም

ሰበኻ ጉባኤ

Hits: 2383