ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና:
ኣርባዕተ መንእሰያት አብ ከተማ ሲንሲናቲ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት አሜርካ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም።
ነዚ መዓርገ-ዲቁና ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ዊሳ አብ ምስራዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚናስ ሲንሲናቲ እዮም ተቐቢሎሞ።
እዞም መዓርገ-ዲቁና ዝተቐብኡ መንእሰያት: ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልቦም ከገልግልዎ ምእመናን ብጸሎት ክዝክርዎም ሓደራ ንብል። ኣብዚ ምፍራስ ሕጊ ዝገነነሉ ጊዜ: ሓዋርያዊ ሕግን እምነት ቤተ ክርስቲያንን ክትሕልዉ: ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተ ክርስቲያን ከተገልግሉ እግዚኣብሔር ሓርዩኩም እዩ'ሞ ብእምነት ንበሩ። ኣብ ኩሉ ኣገልግሎትኩም ድማ እግዚኣብሔር የሰንኹም።
ክብርን ስግደትን ነዚ ነገር'ዚ ክውን ዝገበረ እግዚኣብሔር ይኹን። ኣሜን።