S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ

በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ሰሉስ ምሸት 6 ጥሪ 2009 . ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት'ዚ: ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ

ሰንበት 11 ጥሪ 2009 . ድማ ንምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ ብዛዕባ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቀሪቡ። እዚ ተዋስኦ' ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍሉይ ኮይኑ ነቲ ክቡር በዓል ልደት-ክርስቶስ ብግቡእ ዝገልጽ:ምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ እዩ ነይሩ እግዚኣብሔር ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ስላሴ ክባርኽ ምእመናን ድማ ብጸሎት ግድግፍዎም ንምሕጸን

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶን መራሒኣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ይባርኽ: ንህብና ድማ ሰላም ይኣውጀሉ

ቤተክርስትያን ደብረብርሃን ቅድስት ስላሴ,
ከተማ ስያትል ዋሺንግቶን
ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተመልከት
Hits: 2721