S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቅ. ማርያም ቤተክርስትያን ብድምቀት ተባዒሉ፡ ምእመናን ዕዳ ህንጻ ቤተክርስትያኖም ንምቅላል ልዕሊ $47,000 ገንዘብ ኣዋጺኦም።

ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቀዳምን ሰንበትን

መስከረም 22-23, 2012 (መስከረም ፲፪-፲፫, ፳፻፭ ግእዝጸሎተ-ሰርክ፡ ቅዳሴን ፍሉይ ኣስተምህሮን ብምምሕልላፍ ብድምቀት ተኸቢሩ።

እቲ ናይ ቀዳም መደብ ድሕሪ ጸሎተ-ሰርክ፡ ቀሲስ ቴድሮስ ተስፋይመስቀል ኣርማ ቤተክርስትያንን ሓይሊ ክርስትያንንብዝብል ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ዶር. ተስፋ ገብረመድህንዝምድና ሓድሕድና ከመይ ኣሎብዝብል ኣዝዩ እዋናውን ሓናጽን ሰሚናር ኣካይዶም። ከምኡውን ካብ ወልስ ፋርጎ (wells fargo) ዝመጸ ናይ ፋይናንስ ምሁር ብዛዕባ ለቃሕ (mortgage) ቤተክርስትያን ዝቃለለሉ መገድታት ዝድህስስ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

እቲ ትምህርትን ሰሚናርን ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴውን ቐጺሉ።መስቀልካ ኣብ ጸጽባሕ ኣልዕሊካ ንመድሓኒ ክርስቶስ ምስዓብ ብመንጽር ዕለታዊ ናብራና እንታይ ማለትብዝብል መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ቀሪቡ። ዶር. ተስፋ ገብረመድህን ከኣንበዓልቲ ቃል ኪዳንካ ኣኽብርብዝብል ንማሕበራዊ ህይወት ስድራ ቤታትና ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ሰሚናር ብድጋሜ ኣቕሪቦም።

ምእመናን . ማርያምን ተዓዲሞም ዝመጹ ደቂ ቤተክርስትያንን በቲ መደባት ሓጎሶም ብምግላጽ፤ ኣመሓደርቲ . ማርያም ሓጺር ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ $47, 241.00 (ኣርብዓን ሸውዓተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርባዓን ሸውዓተን ዶላር) ኣዋጺኦም። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ፣ ኣብ መጨረሻ  “ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእነ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታእንዳበሉ ሆየ ሆየ ተሳጊሮም ካብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።

ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ  ስእላዊ መግለጺ (Pictorial report) ተኸታተሉ።

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ብዓል ቅዱስ መስቀል ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ን3ይ ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ሰባኻ ጉባኤ

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ቅ. ማርያም በይ ኤርያ።

Hits: 2792