ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ እናተጎሃሃረ ይኸይድ ምህላዉ፡ ዘኅዝን ጉዳይ እዩ። ኲናት፡ ቀለቡ ሰብ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሕዝቢ ዘጽንት፥ ንብረት ዘዕኑ፥ ሽማግለታት፥ ሕፃናት፥ ነፍሰ-ጾራት፥ ከይፈለየ ንኹሉ በልማማ ዝጐድእ ሓደገኛ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ
- መራሕቲ ፈደራላዊ መንግሥትን፥ መንግሥቲ ክልል ትግራይን፥ ካብ ኲናት ዝመጽእ ረብሓ፥ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፥ ዘለዓለማዊ ጽልእን ቅርሕንትን ኣብ ሕዝብታት ዝፈጥር፥ ምፍራስ ሉዓላዊት ሃገር'ውን ከኸትል ዝኽእል ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚብኩም፥ ጉዳይኩም ብዝሰኸነ መንፈስ ኣብ ክቢ ጣውላን ክትፈትሕዎ፡ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጸዋዒትና ነቕርብ።
- እዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሕዝብታት ዘለዓለማዊ ጽልእን ቅርሕንትን ዝፈጥር፥ ምፍራስ ሉዓላዊት ሃገር’ውን ከኸትል ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤን ዘሎዎ ብምዃኑ፡ በዚ ዘለዎ ምስ ዝቕጽል ድማ፥ ሳዕቤኑ፥ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡ፡ ብፍላይ ከኣ ነታ ኣብ ኣፍደገ ኲናት እትርከብ ሃገር ኤርትራ’ውን ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ክትግንዘቡ።
- እቲ ኲናት፥ ምስ ሉዓላዊትን ናፃን ሃገረ ኤርትራ ዝተወልዐ ኲናት ክሳብ ዘይኮነ፥ መንግሥቲ ኤርትራ ካብቲ ብተኸታታሊ ዘወዓውዖን ዘሳውሮን ናይ ኲናት ነጋሪት ደው ከብል። መንእሰያትና ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ዶብ ሰጊሮም ደሞም ከየፍስሱ፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ናይ ሓንቲ ሉዓላዊትን ናፃን ሃገር ኢትዮጵያ ዘራይ ሓደ ወገን ኮይኑ ኢዱ ካብ ምትእትታው ክቑጠብ።
- ሠራዊት ኤርትራ፥ ዝሓለፈ ዝፈሰሰ ደም ይኣክል። ዝርካብኩም እቶም ዝተረፍኩም ኣብዚ ኲናት እዚ ኣቲኹም ሕይወትኩም ከይተጥፍኡ ሓደራ ንብል።
- ነቲ ትማሊ ብገዛእ ኣኅዋቱ እናተሃድነ ብጥይት እናተሳሕተ፥ ሃገሩ ረመጽ ኮይናቶ መዕቆቢ ዝሰኣነ መንእሰይ ኤርትራ፥ ዘዕቆበን ዝሓብሓበን ወረጃ ኃው ሕዝቢ ትግራይ፥ ኣብ ጊዜ ሽግሩን ጸገሙን ረዳእትን መለስቲ ሞሳን ካብ ምዃን ወጻኢ፥ ዝኾነ ካልእ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይግባእን። ንሕይወቱን ንብረቱን ዘዕኑ ተግባር ካብ ምውሳድ ክትቁጠቡ፡ ብኤርትራ ኣቢሉ ንሕዝቢ ትግራይ ይኹን ንካልኦት፥ ዝጎድእ ነገር ከይፍኖ ተሪርኩም ክትቃወሙን፥ ክትምክቱን ታሪክ ዝሓተኩም ዘመን ምዃኑ ከተስተውዕሉ ይግባእ።
- ዓለም-ለኻዊ ማኅበራት ገበርቲ ሠናይ፡ ኣኽበርትን ተጣበቕትን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ዘለኹም መራሕቲ ሃገራት፡ እዚ ሓደገኛ ውግእ’ዚ፡ ደው ክብልን እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ ብዘተ ምእንቲ ክፍታሕ፡ ኣብ ክልቲኦም መራሕቲ ተጽዕኖ ከም ዝግበር ክትጽዕሩ።
- ኣብዚ እዋን ኣብ መዕቖብ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፥ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎምን፥ ኣብ ውሑስ ቦታ ንኽዕቆቡ ድማ መንግሥታት ዓለም መሰል ዜጋታትና ከኽብር ጸዋዒትና ነቕርብ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ “ንውግእ ክሳብ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ፥ ንቐስቲ ይሰብሮ፥ ንዂናት ይቐራስሞ፥ ንሠረገላታት ብሓዊ የንድዶ” (መዝ 46:9) ዝብሎ፥ ኣምላኽ ነዚ ዂናት መወዳእታ ክገብረሉ፥ ምእመናን ብጸሎትን ጾምን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ መንፈሳዊ ጸዋዒትና ነቕርብ።
እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን ይሃበና
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
ሕዳር ፫-፳፻፲፫ (ሕዳር 12, 2020)