S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ-ፍትሓት - ዝኽሪ ግዳያት ላምፐዱሳ

ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020 ንዝኽሪ  ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት': ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።

1. ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ህልቂት ዘጋጠሞም ግዳያት ላምፐዱሳ (ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ግዳያት)

2. ስለቶም ኣብ ሊብያ “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም ብሴፍ ዝሞቱ 30 ሰማእታት ሓበሻ

3. ስለቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን።

ጻዕዳ ቀላይን ገማግም ሊብያን መቓብር ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ንቕረብ።

ኣምላኽ፡ ንኹሎም ግዳያት ዜጋታትና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክህቦም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክልእከሎም ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

Hits: 1327