S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2020 ብርሑቕ ክካየድ'ዩ

በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩና ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 .  ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።

እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።

Hits: 957