S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣዋጅ ሕማም- ለበዳ Coronavirus (COVID-19) ዝተተሓሓዘ

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን።

እዚ ኣብ ዓለምና ተቐልቂሉ ዘሎ Coronavirus (COVID-19) ዝፍለጥ ለበዳ፥ ንዓለምና ኣብ ሻቕሎት ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ማኅበራዊ ኣኼባታት ካብ ዝካየደሉ ሓደ ኣካል ስለዝኾነት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

1. ንጊዚኡ፥ ኣብ ሰንበት ዝግበር ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፥ ስብሓታትን ምህልላን ውሉደ ክህነትን ኣባላት ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ጥራይ ክግበር።

2. ናይ ምትእኽካብ መደብ ክሳብ ዝፍቀድ፥ ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ጸሎቱ እናፈጸመ ክጸንሕ።

3. ምእመናን፥ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ትምህርትታትን ጸሎተ ምህልላን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ክከታተሉን፥ ጾምን ሱባኤን ብጽሞናን ብትዕግስትን ከካይዱ።

4. ብፍሉይ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያን ክመጽእ ንዝደሊ ሰብቤተ ክርስቲያን ከነባብሩ ምስ ዝመደበቶም ሰባት ተራኺቡ ክፍጽም

5. ካልእ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝሓትት ህጹጽ ጉዳይ ምስ ዝርከብ ብቐጥታ ምስ ኣበ-ንስሓ ብምዝርራብ፥ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ መደባት ክግበር።

6. ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ተወሳኺ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎምን፥ ምስ ካህኖም ተላዚቦም፥ ኣገልግሎቶም ዝረኽቡሉ ክፍጸም እምበር ናብ ኣኼባ ዘይምኻድ።

7. ኣብ ደገሰላም ይኹን ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ካልእ ንጥፈታት ንግዚኡ ክስረዝ ነዘኻኽር።

ውሉደ-ክህነት፥ ኣብ ከባቢኦም ንዝወሃብ ሕጊ መንግስትን ብሰብ ሞያ-ጥዕና ንዝውሃብ ሓበሬታን ምኽርን ከተግብርዎ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነዘኻኽር።

እግዚኣብሔር ፈውሰ ምሕረቱ ይልኣኽ።

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ (ኢሳ 41.10)

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

12 መጋቢት 2020 ዓ. ም።

Hits: 1953