S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍሉይ ጾምን ጸሎትን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።

ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ ሰኑይ፥ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ ፳፻፱ (7 August - 21, 2017) እዉጅ ጾም እዩ።

ኣብዚ እዋን ጾም እዚ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ብዛዕባ ሰላምን ሓድነትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ሰላም ሃገር፥ ብዛዕባ ብፁዕ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ጾምን ብጸሎትን ክግበር ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነተሓሳስብ። ክርስቶሳውያን ምእመናን ድማ ከምቲ ዝግባእ ብጾምን ብጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር ክነቅሑ ነዘኻኽር።

ብዛዕባ እዚ ከኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽ ጸሌናን ንሱ ድማ ሰምዓናእዝራ 8:23

እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።

ኣህጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና።

Hits: 2157