S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ሓዘንን ጸሎተ ፍትሓትን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

“ሰላም ተጸቤና፥ ግናኸ ሰላም ኣይመጸን፥ እንሓውየሉ ጊዜ ተጸቤና፥ እነሆ ከኣ ስምባድ ኮነ” ኤር 14:19።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን እንትነብር ክቡር ሕዝቢ ኤርትራ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ጓህን ተዋሒጥና፥ ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ “ኣብ ኩሉ ኣደባባያት ኪቑዘም፥ ኣብ ኩሉ መገድታት ከኣ ዋይዋይ ኪበሃል እዩ፥ ንሓረስታይ ናብ ሓዘን፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ድማ፡ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም።“(ኤር 5:16) ዝበሎ ትንቢታዊ ቃል ንሕናውን ንቝዝምን ዋይዋይን ንብል ኣሎና። ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ባሕሪን ዘስዓቦ ህልቂትን፥ ምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ድኻ ይኹን ሃብታም፥ ዓቢይ ይኹን ንእሽቶ፥ ምሁር ይኹን ዘይተማህረ፥ ነጋዳይ ይኹን ሓረስታይ፥ ኣብ ሓዘንን ጓህን ንርከብ ኣሎ።

እዚ ሓዘን እዚ፥ ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ዝዃሕኩሐ ስለ ዝኾነ ሓደ ሰብ ነቲ ካልእ ሰብ የጸናንዖ ዘይበሃሎ መሪር ሓዘን እዩ። እንተ ኾነ ኣምላኽ ርሕሩሕ እዩ እሞ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ክልእከልና፥ እቲ እንኮ መፍትሒና ናብ ኣምላኽና ምንቅዕራር ጥራይ እዩ።

በዚ መሠረት፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ንሰንበት ዕለት 19: ሰነ 2016 (፲፪ ሰነ ፳፻፰ ዓ.ም ግእዝ) ምእንቲ'ቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑን ዝጠፍኡን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ ምዃኑ እናሓበርና፥ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ብዝያዳ ድማ ምእመናን ኣብቲ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ጸሎተ ፍትሓት ክትካፈሉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

ኣምላኽ ንሕዝብናን ዝሓዘኑ ስድራ ቤታትን መንፈስ መጸናንዒን መረጋግእን ይልኣኸልና። ነቶም ግዳያት ሓደጋ ዝኾኑ ኣቦታትና፥ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ደቅናን ድማ ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ይሃቦም።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Hits: 1857