S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ፍትሓት፣ ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ሞት ሓዘና እናገለጸት፣ ንሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013 ስለቶም ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ጸሎት ፍትሓት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት: ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ: ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ: ዝርከባ ኣብያተክርስትያን (ዝርዝር ኣብያተ ክርስትያን) ጸሎት ፍትሓት ክገብራ እየን:: ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ብሓፈሽኡ ስለ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ እና። ኤርትራውያን ምእመናን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና ድማ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንምሕጸን።

እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበል።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።

Hits: 2444