S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ ፍትሓት ምእንቲ ስዉኣት ኤርትራ

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ: ሰንበት ዕለት 17 ሰነ 2012 (, ሰነ, ፳፻፬) ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንዶን ድማ ቀዳም 16 ሰነ 2012 (ሰነ , ፳፻፬) ካብ ሰዓት 800 ንጉሆ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሰዓት 100 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅድስት ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እናተመርሐ ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ እዩ።

ጸሎት ዝካየደሉ ኣድራሻ።

St. John church
North End road London.
SW6-1PB, UK.

ከምኡውን ሰንበት 17, 2012 ኣብ ከተማ ሽፊል ጸሎት ክካየድ እዩ።

ኩሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ምእንቲ ስውኣት ዝግበር ጸሎት ክሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መደብ ጸሎት/መርሓ-ግብር (ሰንበት 17 ሰነ 2012)

ናይ ዕለቱ ዝንበቡ ቅዱሳት ጽሑፋት።

እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንኹሎም ስውኣትና ይሃቦም።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ

Hits: 3192