S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዳር የኽብር: ፍትሕ የነውር: ብዶ/ር  ተስፋይ ገብረመድህን

ሎሚ ሰንበት ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ:

ስምዑ ዝፈታሕኩም ክነግረኩም ሓንቲ:

ስምዓ ዝፈታሕክን ክነግረክን ሓንቲ:

ስምዑ ዘይፈታሕኩም ክነግረኩም ሓንቲ:

ስምዓ ዘይፈታሕክን ክነግረክን ሓንቲ:

ብዛዕባ ቃልኪዳን ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:

ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ ዘይበርስ ሃብቲ:

መንፈሳዊ ህያብ ናይ ሂወት ብራህቲ:

ናይ ዘለኣለም ርስቲ ዘይፈርስ ሓወልቲ:

ኣብ ደቂ ሰባት ዝጸንሕ ገና ካብ ጥንቲ::

 

ባህሊ ናይ ዓድና ዝጸንሐ ዝተለምደ:

ሸውዓተ-ሳዕ ዕልል ይበሃል ወዲ ምስ ተወልደ:

ወይ ክኸውን ሰብ ወይ ክኸውን ዕደ:

ተመስኪሩ ይረኤ ኣሎ አብ ሓደሓደ:

ኣብ ገለ ኣንስቲ'ውን ኣሎ ዝተጋህደ:

ኣብ ክልቲኡ ጾታ ኣሎ ሱር ዝሰደደ:

ሰበይቲ ትሕንግድ ሰብኣይ ምስ ሰወደ:

ዕድመ ምስ እምሮ ጨሪሱ ዘይተዛመደ:

ተግባራት ይፍጸም ፍጹም ዘይተናእደ:

ኣብ እርጋን ዕድሚኡ ሰብኣይ ምስ ዓበደ:

ከም ሽማግለ መጠን ኸቢሩ ዘይተኣበደ:

ኣብ ክንዲ ሓዳር ዘኽብር ስዲ ዝኸደ:

ሓዳሩ ኣፍሪሱ ቆልዕቱ ጠሊሙ ዝሓንገደ:

ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ እቲ ዝገደደ:

እስቲ ሕሹኽ በልዎ ገለ እንተ ሰንበደ:

እቲ ኣባታዊ ሓላፍነት ገለ እንተወሰደ::

 

ሓዳር ክበሃል ምስክር ናይ እምነት:

ሓዳር ክበሃል ምልክት ናይ መንነት:

ሓዳር ክበሃል ምስጢር ናይ ሂወት:

ሓዳር ክበሃል በረኸት ናይ ምሕረት:

ሓዳር ክበሃል ማህደር ናይ ስምረት:

ሓዳር ክበሃል መስፈር ናይ ዓወት:

ሓዳር ክበሃል ዋሕስ ናይ ሓድነት:

ሓዳር ክበሃል መፍትሕ ናይ ቅሳነት:

ሓዳር ክበሃል መንፈሳዊ ዕግበት:

ሓዳር ክበሃል መገዲ ምድረ ገነት:

ሓዳር ክበሃል ጸዋሪት ንእስነት:

ሓዳር ክበሃል ዓቃቢት ንብረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ቃል ኪዳን ሕላገት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ፍቅሪ ኣብነት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ስድራ ቤት ጥምረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ወለዲ ክብረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ልቦና ብስለት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ሃገር ሰረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ መነባብሮ ሕመረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ በተሰብ ሕብረት:

ሓዳር ክበሃል ናይ ሕብረተ ሰብ መሰረት:

ሓዳር ክበሃል ተኻሊት ወሎዶ ዓሌት:

ሓዳር ክበሃል ተካኢት ደቂ መሬት:

ሓዳር ዝዘረግና መዛኑና ንመልከት:

ሓዳር ንግበር ወጊድ ንበሎ እቲ ዕብደት:

ሓዳር ክትከል ክንምለስ ናብ ደቅና ቤት:

ካብ ሓዳር ዝበለጸ የለን ናይ ደቂ ሰባት ድልየት::

 

ፍትሕ ክበሃል ምልክት ናይ ክሕደት:

ፍትሕ ክበሃል ምስክር ናይ ጥልመት:

ፍትሕ ክበሃል መለለዪ ናይ ሕስረት:

ፍትሕ ክበሃ መፍደዪ ናይ ክፍኣት:

ፍትሕ ክበሃል መበገሲ ናይ ህዉከት:

ፍትሕ ክበሃል መገዲ ጥፍኣት:

ፍትሕ ክበሃል መግለጺ ኣንነት:

ፍትሕ ክበሃል ቁጠባዊ ዕንወት:

ፍትሕ ክበሃል ማሕበራዊ ውርደት:

ፍትሕ ክበሃል ስግደት ናብ ጣኦት:

ፍትሕ ክበሃል ጉዕዞ ናብ ድኽነት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ቃልኪዳን ግህሰት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ሕልና ሕልፈት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ስነ ምግባር ውድቀት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ሰብኣይ ንዕቀት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ሰበይቲ ቅለት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ምስትውዓል ስእነት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ስድራ ቤት ድፍረት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ፍኹክር ምድሪ ቤት:

ፍትሕ ክበሃል ናይ ቆልዑት ዕርቃነ-ጥሜት:

ፍትሕ ክበሃል ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ማለት:

ፍትሕ ክበሃል ጎደሎ ሕድገት:

ፍትሕ ክበሃል ኣብ ቂድሚ እምላኽ ሕፍረት:

ናብ ሓዳና ንመለስ መሬት ከይጸልመተት::

 

ኣበይ ከደ ሕጊ ኣበይ ከደ ፍርዲ:

ኣበይ ከደ ፍቅሪ ኣበይ ከደ ሕድሪ:

ኣበይ ኣተወ ሓቂ ኣበይ ኣተወ ዕርቂ:

ኣበይ ኣተወ ጽምዲ ኣበይ ኣተወ ዕጥቂ:

ኣበይ ኣበለ እምነት ኣበይ ኣበለ ክብረት:

ኣበይ ኣበለ ትምኒት ኣበይ ኣበለ ስኒት:

ኣበይ ኣበለ ለውሃት ኣበይ ኣበለ ብልሓት:

ኣበይ ኣበለ ሓልዮት ኣበይ ኣበለ ሕውነት:

ዝፈታሕካ ተረዳእ እቲ ናትካ ጉድለት:

ዝፈታሕኪ ተረድኢ እቲ ናትኪ ፍሽለት:

ሓዳር ክትከል የድሊ ምሉእ ሓላፍነት::

 

ኣብ ፍትሕ ዘሎ ሰሓቦ ጉተቶ ምትህልላኽ:

ኩናት ሕድሕድ ተወሊዑ ሓዳር ካብ ዝህሞኽ:

ኣብ ስኦል ቤት ሓዳር ካብ ዝናዋሕ:

ፍትሕ ይውሰድ ከም ኣማራጺ ፍታሕ:

ሳዕበናቱ ብዙሕ ሓዳር ክብል ፋሕፋሕ:

ቆልዑ ይህሰዩ ጸገማቶም ይባዛሕ:

ኣቦ ኣይርከብን ኣብ ድራር ኣብ ምሳሕ:

ካብ ምፍታሕ ይሓይሽ ጸገምካ ምፍታሕ:

ምርድዳእ ይምረጽ እቲ መንፈሳዊ ስራሕ:

ናብ ሓዳር ምምላስ ብጣዕሳ ብምንሳሕ:

ቤተክርስትያን ጻዕሪ ትግበር ፍትሕ ከይራባሕ::

 

ሓዳር እንተሰመረ ንፍትሕ ኣይዕንደርን:

ሓዳር እንተዓመረ ንፍትሕ ኣይዕንተርን:

ሓዳር እንተመቀረ ንፍትሕ ኣይፍከርን:

ሓዳር እንተሰዓረ ፍትሕ ኣይሰርርን:

ሓዳር እንተኸበረ ፍትሕ አይወዳደርን:

ሓዳር እንተኸበረ ቃል ኪዳን ኣይድፈርን:

ኣብ ሓዳር ዘሎና ንኸብር ኣብ ፍትሕ ዘሎና ንሓስር::

 

ዝፈታሕና ፋሉል ኮንና ዝተረፍና:

በረኸት ናይ ሓዳር ገና ከይፈለጥና:

ናይ ሓዳር ላዛ ገና ከየስተማቀርና:

ምጽዉዋር ከም ዘድሊ ገና ከይገመትና:

ንምርርዳእ እኹል ግዜ ገና ከይሃብና:

ኣብ ደቅና ዝፍጠር ጸገም ከይዘከርና:

ብስምዒት ተደሪኽና ሓዳር ዘፍረስና:

ሓዳር ክበሃል ጸወታዶ መሲሉና:

ሓላፍነት ይሓትት  ብወገን ኩላህና:

ሓዳና ክጸንዕ ራህዋ ዘምጽኣልና:

ግርማ ዝህበና  ቆልዑትና ሓቁፍና:

ቁም ነገር ዘለዎ ክኸውን ሂወትና:

ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክንገረና:

ዓበይቲ ሰባት እርጋን ዘርከበና:

ቀልጢና ንሕሰበሉ ብዛዕባ ሓዳርና:

ኣብዛ ዝተረፈት ዕድመና ሓዲግ ከይተረፍና::

 

ሓዳር ዘለዎ ሰብ መንፈሱ ዲንቂ:

ሓድር ዘይብሉ ሰብ ስርሑ ጸይቂ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ግርማ ዝዓሰሎ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ናብርኡ ጎደሎ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ወደይ ጋለይ ይብል:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ እንታይ ኢሉ የዕልል:

ሓዳር ዝለዎ ሰብ ኣብ ገዝኡ ይዕንገል:

ሓዳር  ዘይብሉ ሰብ ይኸይድ ናብ ሆተል:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ብግርምኡ ይልለ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ካብ ሰቡ ይፍለ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ኣብ ቤቱ ዝዓሰለ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ፈቆድኡ ይእለ:

ሓድር ዘለዎ ሰብ ይነብር ተኣቢዱ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ይነብር ተዓኒዱ:

ሓድር ዘለዎ ሰብ ኣድራሻኡ ፍሉጥ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ኣድራሻኡ ልዉጥውጥ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ቁምነገር የዘንቱ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ኩሉ ግዜ ከንቱ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ወጅሁ ወዛም:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ወጅሁ ፈሳም:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ሓድጊ ይገድፍ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ገደል ይጸድፍ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ንምኽሪ ይጽዋዕ:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ መፈጠሩ ይርሳዕ:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ይስከም ሓላፍነት:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ ኣይግበረሉን እምነት:

ሓዳር ዘለዎ ሰብ ብጽቡቅ ይጥመት:

ሓዳር ዘይብሉ ሰብ መን ተባሂሉ ይግመት:

ሓዳር ዘኽበረ ሰብ ምስጋና ይረክብ:

ሓዳር ዘሕሰረ ሰብ መከራ ይጸግብ:

ስነስርዓት ይጎድል ካብ ኣትዓባብያ:

ሓዳር ይፈርስ ካብ ኣታኣላልያ:

ሓዳር ይጸንዕ መንፈስ ቁዱስ ዝወረሰ:

ሓዳር ይፈርስ ስርዓተ ሕጊ ዝጥሓሰ:

ብሃይማኖት ንመላለስ መንፈስና ክቅደስ:

ምስ ብጾትና ንከላለስ ሓዳርና ክሕደስ::

 

ሱዳናውያን ብዕድመ ዝበሰሉ:

ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ኢሎም ይምስሉ:

ኣልዒሪስ ዓማር ኣልበለድ:

ኣልመርኣ ጃበት ኣልወለድ:

ኣብ ትግርኛ ብግጥሚ መልክዕ:

ይትርጎም ክምዚ ተባሂሉ ልክዕ:

ሓዳር ሃገር ኣማዕበለት:

ሰበይቲ ውላድ ኣምጸኤት::

 

ክንድሰብ ኮንና ከም ሰብና ዝመሰልና:

ብወግዒ ተመርዒና ሓዳር ዝገበርና:

ቆልዑትና ሓቂፍና ኣብ ሙውቅ ሓዳርና:

ብምርድዳእ ግርጭታትና እንዳፈታሕና:

ብሰላም ክንነብር ምስ ኣሕዋትና ኣሓትና:

ሰናይ ሂወት ከነሕልፍ ኣምላኽ ይርድኣና::

 

እዚ ኩሉ ዝተባህለ እንተዘይተረዲኡካ:

ሓቅኻ ኢኻ ክትነብር ኮብሊልካ:

ኣምላኽ ባዕሉ ዓገብ ይበልካ:

በዚ ኩሉ ዝተባህለ እንተዘይዓጊብኪ:

ሓቅኺ ኢኺ ክትዘርጊ ሓዳርኪ:

ኣምላኽ ባዕሉ ምሕረት የውርደልኪ::

 

ብዝተረፈ ካህናት ኣቦታት ሓደራ ዝብለኩም:

ብዛዕባ ቃል ኪዳን ቀጻሊ ክትዛረቡ ኣብ ስብከትኩም::

 

ንዘክር ቃል ኣምላኽ: ማቴዎስ 19:5:!ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቅ: ክልቲኦም ኸኣ ሓደ ስጋ ይኾኑ::

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና:

ሓዳር ይከበር ከይድፈር ቃል ኪዳንና::

 

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

29 መስከረም 2024

Hits: 296