S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ ሕይወት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድኅን ደብረጽዮን፡ ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ሕምብርቲ

(5 ሓምለ, 1919 ዓ.ም.ግ) (1927 ዓ.ም.ፈ) ተወልዱ። ወዲ 5 ዓመት ምስ ኮኑ ንገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ተወፍዮም።ኣብ ገዳም ካብ ፊደል ክሳብ ግብረ ዲቁና ተማሂሮም ኣብ 12 ዓመቶም መዓርግ ዲቁና ብብፁእ ኣቡነ ማርቆስ ተሾሙ። ብርድእናን ዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዘድሊ ናይ ግብረ ክህነት ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ኣብ 1942 ዓ.ም.ግ (1950) መዓርግ ምንኩስና ለቢሶም፡ ኣባ የማነ ብርሃን መነኮስ ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ። ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ መዓርገ ክህነት ተቐብኡ።

ክሳብ 1955 ብዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎትን ሓላፍነት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1955 ብማኅበር ገዳም፡ ንኣበምኔት ተመሪጾም፡ “መምህር የማነ ብርሃን” ተባሂሎም ኣበምኔት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ። ኣብ ዘመኖም ኣበምኔት ኮይኖም ገዳም ኣብ ዝመርሑሉ ዘመናት፡ መነባበርን መጠወርን ገዳማውያን መነኮሳት፡ ብሕማም ደዌ ዝሰቓዩ ሕሙማት፡ ርድእና ባሕተውቲ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ዕቤትን ምርዳእን እቲ ገዳም ዝለዓለ ኣብ ዘመኖም ተሰሪሑ ክበሃል ይከኣል።

ኣገልግሎቶም፡ መንፈሳውነቶም፡ ብምርኣይ፡ ብመላእ ሕዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ንጳጳሳት ካብ ዝተመርጹ 5 ኣቦታት መነኮሳት ሓደ ኮይኖም ብምምራጽ፡ ሰነ 121986 ዓ.ም.ግ (19-06-1994) ብብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ 5ይ ርእሶም መዓርግ ጵጵስና ተቐብኡ። ድሕሪ ጵጵስና ምሻሞም፡ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ኮይኖም ብዝሰርሕዎ ስራሕ፡ ሓምለ 21 1990 ዓ.ም.ግ (1998) ናይ ሊቀ ጳጳስ መዓርግ ተዋህቦም።

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ያእቆብ፡ ብዓቃቤ መንበርነት ክሰርሑ መዲብዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ የካቲት 23, 1996 ዓ.ም.ግ (የካትት 3 2004 ዓ.ም.ፈ.) ኣበ ምኔታት ገዳማተ ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት፡ ምእመናንን ተኣኪቦም ንምርጫ ካብ ዝቐረቡ ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ንብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ክኾኑ መረጽዎም።

በዚ መሠረት ሚያዝያ 17 1996 (ሚያዝያ 25 2004 ዓ.ም.ፈ.) ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ፡ ምስ ሰዓብቶም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰበ ሥልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ክሰርሑ፡ ኣብ ሕዝቦም ብሕዝቦም ይደልዎ (ይግብኦ) ተባሂሎም፡ ብጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኤርትራ፡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ዝተረኽቡሉ ስርዓተ ተቐብኦ ተፈጸመ።

በዚ ኣጋጣሚ መጽሔት ተዋህዶ፡ ንቅዱስ ኣቦና፡ ጥዕናን ሰላምን፡ ንሕዝብና ራህዋን ሓጎስን፡ ክኾነልና፡ ዘዕርግዎ ዕጣንን ጸሎትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክበጽሓልና ሠናይ ትምኒታ ትገልጽ።

Hits: 13088