S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መደብ ጸሎተ ፍትሓት (ዳግማይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ

መደብ ጸሎተ ፍትሓት (ዳግማይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቆኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብምኽንያት ዕረፍቲ ግፉዕ፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፥ ንኹሎም ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራውያን ደቂ ሃገርን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፥ ልዑል እግዚኣብሔር ጽንዓትን ኑዛዜን ክህበና ብጸሎት ንልምን። ቀጺልና፡-

1) ሰንበት 13 የካቲት 2022 ( የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን (እግዚኣ-ሕያዋን) ክግበር።

2) ሰንበት 20 የካቲት 2022 (፲፫ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ናይ ኦሬንታል ብፁዓን ኣቦታትን ዝመርሕዎ፥ ናይ ኣሜሪካን ካናዳን ኩሎም ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ዝሳተፍዎ ወግዓዊ -ጸሎተ-ፍትሓት (ካልኣይ-ቀብሪ) ኣብ ደብረ ሰላም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ (Map & Address) ክግበር ስለኾነ፥ ኩሉ ሰብ ፈነዋን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክካፈል ብኽብሪ ንዕድም። ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥ እስራኤል፥ ኣውስትራልያን'ውን ተሳሳሊ መድባት ተሰሪዑ ስለዘሎ በብኸባቢኡ ህዝቢ ክሳተፍ ንዕድም።

3) 40 መዓልቲ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጸሎተ-ቅዳሴ፥ ስም 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክዝከር መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።

“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

11 የካቲት 2022 . ( የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ)


  ዕረፍቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ


ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራረቡዕ 9 የካቲት 2022 .. .(2 የካቲት 2014 ..) ዓሪፎም "...መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።" መዝ ዳዊት 112. 6።

እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድማ ምጽንናዕ ይሃባ።


 

እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን

Hits: 3688