S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድኅን ደብረጽዮን፡ ካብ ኣዲኦም / ኢለን ቀለታ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ሕምብርቲ ብዕለት 5 ሓምለ, 1919 ..ግእዝ (1927 ..) ተወልዱ። ወዲዓመት ምስ ኮኑ ንገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ተወፍዮም። ኣብ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ካብ ፊደል ክሳብ ግብረ ዲቁና ተማሂሮም ኣብ 12 ዓመቶም ድማ መዓርግ ዲቁና ብብፁእ ኣቡነ ማርቆስ ተሾሙ። ብርድእናን ዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ዘድሊ ናይ ግብረ ክህነት ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ኣብ 1942 ..ግእዝ (1950) መዓርግ ምንኩስና ለቢሶም፡ ኣባ የማነ ብርሃን መነኮስ ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ። ኣብታ ዓመት'ቲኣ ድማ መዓርገ ክህነት ተቐብኡ። ካብ 1950 ክሳብ 1955 ብዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎትን ሓላፍነት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1955 ብማኅበር ገዳም፡ ንኣበምኔት ተመሪጾም፡መምህር የማነ ብርሃንተባሂሎም ኣበምኔት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ።

ኣብ ዘመኖም ኣበምኔት ኮይኖም ገዳም ኣብ ዝመርሑሉ ዘመናት፡ መነባበርን መጠወርን ገዳማውያን መነኮሳት፡ ብሕማም ደዌ ዝሰቓዩ ሕሙማት፡ ርድእና ባሕተውቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዕቤትን ምርዳእን እቲ ገዳም ዝለዓለ ኣብ ዘመኖም ተሰሪሑ ክበሃል ይከኣል። ኣገልግሎቶም፡ መንፈሳውነቶም፡ ብምርኣይ፡ ብመላእ ሕዝቢ ኣማኒርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ንጳጳሳት ካብ ዝተመርጹ 5 ኣቦታት መነኮሳት ሓደ ኮይኖም ብምምራጽ፥ ብ12 ሰነ 1986 .. ግእዝ (19 ሰነ 1994 ፈ) ብብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ፥ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ምስ 5 ርእሶም መዓርግ ጵጵስና ተቐብ። ድሕሪ ጵጵስና ምሻሞም፡ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ኮይኖም ብዝሰርሕዎ ስራሕ፥ 21 ሓምለ 1990 ..ግእዝ (29 ሓምለ 1998) ናይ ሊቀ ጳጳስ መዓርግ ተዋህቦም። 

ድሕሪ ዕረፍቲ 2 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ያእቆብ፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዓቃቤ መንበርነት ክሰርሑ ሓርይዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ23 የካቲት 1996 ..ግእዝ (3 የካትት 2004 ..) ኣበ-ምኔታት ገዳማተ ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት፥ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ተኣኪቦም ንምርጫ ካብ ዝቐረቡ ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ፓትርያርክ ክኾኑ ንብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መረጽዎም።

በዚ መሠረት 17 ሚያዝያ 1996 (25 ሚያዝያ 2004 ...) ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ምስ ሰዓብቶም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰበ ሥልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ክሰርሑ፡ ኣብ ሕዝቦም ብሕዝቦም ይደልዎ (ይግብኦ) ተባሂሎም፡ ብጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኤርትራ፡ ቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ 3ይ፥ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ኣብ ዝተረኽቡሉ ስርዓተ ተቐብኦ ተፈጸመ።

በዚ ኣጋጣሚ መጽሔት ተዋህዶ፡ ንቅዱስ ኣቦና፡ ጥዕናን ሰላምን፡ ንሕዝብና ራህዋን ሓጎስን፡ ክኾነልና፡ ዘዕርግዎ ዕጣንን ጸሎትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ክኸውንና ሠናይ ትምኒታ ትገልጽ።

 7 ግንቦት 2004 ዓ.ም.ፈ

His Holiness' Biography

Hits: 4556