S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት ኣለዋ

ኣብ 1850 . ዝተኣታተወቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት የብላን ዚብል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክን ዝተፈጥረ ናይ እምነት ፍልልይ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ተንጠልጢሉ ዘሎ ጸገም እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ኣብ ካንሳስ-ሲቲ (Kansas City) ዚርከብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኣመንቲ ኢና ዚብሉ ሰባት ነዚ ጉዳይ ብግጉይ መገዲ ዳግማይ ምስ ኣልዓልዎ ብዙሕ ምስሕሓብ ፈጢሩ። መዛግብቲ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘመልክትዎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ጸገም ምስ ኣጋጠመ፣ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስቲያን-ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ መልሲ ስለ ዘይሃበሉ፣ እቲ ጥርዓን ናብ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ቀሪቡ። ኩነታትን ከስዕቦ ዝኽእል ናይ እምነት ህጸት ብምግንዛብ፣ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ማርቆስ (ምስሪ) ህጹጽ መልሲ ክትህብ ተገዲዳ።

በዚ መሠረት፣ ኤርትራዊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝሃብዎ፣ ሓዋርያዊ ውሳኔ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብቪድዮ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ጳጳስ-ዲበ-ኩሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስ ምስሪ እዮም። ከምኡ'ውን፣ ሊቀጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ እዮም።

እዚ፣ ንሓቀኛ እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝጥምዝዝ፣ ንፍጹም ሰብነት ክርስቶስ ኣምላኽ ዚፈታተን እዩ። እቶም ብንፋስ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ይቀላቐል ስለ ዘሎ፣ ምእመናን ብኣግኡ ክፈልጥዎ ምእንቲ ትሕዝቶ እቲ ዝተገብረ ጉባኤ ንሎሚ ከም ዘለዎ ብቪድዮ ነቕርቦ ኣሎና። ኣብ ዝቕጽል ብትግርኛ ተርጒምና ከነቕርቦ ኢና።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት ኣለዋኢላ እያ ትኣምን። ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ካብ ሓጢኣት ንጹህ!

ምሉእ ትሕዝቶ ብቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ።

እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽ።
ዕድመን ጥዕናን ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ።
ደቂቀ እንጦንዮስ፣
ተመሃሮ ስነ መለኮት ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ!

 

Hits: 6042