Administrator
Published: 19 December 2009
ክቡር ኣንባቢ፣ ንክርስቶስዶ ወይስ ንመን ትሰብኽ? ሃዋርያ ጳውሎስ "ንሕናስ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና ንሰብኽ" ይብል። እወ፣ ሓቂ እዩ በዘይካኡ መድሓኒ ስለዘየሎ፡ ወንጌል ምስባኽ ዘየሐፍር ተልእኮ እዩ። ናይ ህይወትካ ምንጪ-ሓጎስ ወንጌለ-ክርስቶስ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ብድኽነት ኮነ ብሃብቲ: ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ንክርስቶስ ክንሰብኽ ይምዕደና።