- ኣብ ማእከልኩም ጾር ዝኸበዶ ሰብ ኣሎዶ? ናባይ ይምጻእ ኣነ ከዕርፎ።ማቴ 11፡28
- ኣብ ማእከልኩም ዝተሓጎሰ ሰብ ኣሎዶ? መጺኡ ይዘምር ኣነ ክሰምዖ።ያዕ 5፡13
- ኣብ ማእከልኩም ማይ ዝጸምአ ሰብ ኣሎዶ? ናባይ ይምጻእ ኣነ ከስትዮ።ዮሓ 7፡37
- ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ ሰብ ኣሎዶ? ብእምነት ይለምን ኣነ ክረድኦ።ያዕ 5፡13
- ኣብ ማእከልኩም ምስ ኃዉ ዝተበኣሰ ሰብ ኣሎዶ? ይቕረ ይበለሉ ኣነ ከፍቅሮ።ማቴ፡24
- ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ ሰብ ኣሎዶ? ንካህናት ይጸውዕ ኣነ ክምሕሮ።ያዕ 5፡14
- ኣብ ማእከልኩም መገዲ ዝተጋገየ ሰብ ኣሎዶ? ናባይ ይመለስ ኣነ ክመርሖ።ኤር 8፡4