S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ ሕይወት

ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮ ነገር እንተሎ፡ ዓለምና ብዋዒ ትጽምሉ፥ ብኵናት ትርመስ፥ ብዝተፈላለየ ሕማማት ትጥቃዕ ከምዘላ ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ወዲ ሰብ ወላኳ ብቴኽኖሎጂ ማዕቢሉ ካብ ምድሪ ሓሊፉ ኣብ ጠፈርን ወርሕን ክመራመር እንተ በቕዐ፥ ኣብ ሥርሑ ዕጋበት፡ ኣብ ናብርኡ ተመስገን ስኢኑ ብሰንፍላል ይወት ይነብር ከም ዘሎ ንምፍላጡ ዘጸግም ኣይኮነን። “እምበኣር ተጠንቀቑ እቲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምልኡ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ” (ኤፈ 5፡15)።

Hits: 1292