ብሊቀ ካህናት ምርካጽዮን ተኽለማርያም
ኣብ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ “ምምላድ” ወይ “ኣማላድነት” ዝብል ክፋል“ሥርዓተ-ኣምልኾ” ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ኣማለድቲ ኮይኖም ንዓና ንደቂ-ሰብ፣ ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ዝግበር፣ ወይ ኣምላኻዊ ጸጋን በረኸትን ከውህብ ዘኽእል፣ ሥርዓተ-ኣምልኾ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ማለት ተልእኮ`ቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ፣ ምምላድ ወይ ምትዕራቕ ኮይኑ፣ ሰብ ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ዝግበር ክፋል ሥርዓተ-ኣምልኾ`ዩ ተባሂሉ`ውን ክውሰድ ይከኣል። እዚ ከኣ ኣካል`ቲ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኮና ኮይኑ፣ ጥጡሕ ሠረት ሒዙ ክሥርሓሉ ዝርከብ ዘሎ እዩ። ስለዚ ከኣ`ዩ ኣብቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሠረት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣካል ኦርቶዶክሳዊ እምነትና ኮይኑ`ውን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር እዚ ሥርዓተ-ኣምልኾ`ዚ፣ ዘይመጽሓፍ-ቅዱሳዊ`ዩ፣ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሠረት ዘለዎ ኣይኮነን ብምባል፣ ብዓይኒ ነቐፌታ ዝጥምቱዎ ገለ ወገናት ክርስቲያን ምህላዎም ዝፍለጥ`ዩ። ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላ፣ መጽሓፍ-ቅዱስ፣ ብንባብ ጥራይ ነቢብካዮ ካብ ምሕላፍ፣ ወይ እቲ ምሥጢር ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ጌጋ እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲ “ኣማላድነት” ዝብል ቃል፣ መጽሓፍ-ቅዱስ ሠረት ዘለዎ ኣይኮነን ዝብል መደምደምታ ብምሃብ፣ ሰጊርካዮ ክሕለፍ ዘኽእል ቅቡል ዝኾነ ምኽንያት`ውን የልቦን።
ንኣብነት ን"ኣማላድነት” ወይ “ምምላድ” ብዝምልከት፣ ብሉይ-ኪዳን መበገሲ ብምግባር እንተረአናዮ፣ ብቐዳምነት ክንረኽቦ እንኽእል፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦና-ኣብርሃምን፣ ንጉሥ-ኣቤሜለክን ዝተፈጸመ ታሪኽ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ንጉሥ ንሳራ ምስ ረኣያ፣ ስለ-ዝበሃጋ ወይ ስለ-ዝተመነያ፣ ናብ ቤቱ ከም-ዝወሰዳ`ዩ እቲ መጽሓፍ ዝዛረብ። እዚ ስጉምቲ`ዚ ንኽወስድ ምኽንያት ዝኾኖ ከኣ፣ ኣብርሃም ኃውተይ እያ ስለ-ዝበሎ እዩ። ኣብርሃም ግና ንጽባቐ ሣራ ምኽንያት ብምግባር፣ ከይቀትሉዎ ንሕይወቱ ስለ-ዝፈርሀ ደኣምበር፣ ሣራስ ንዕዑ ናይ ሕጊ ሰበይቱ`ያ ዝነበረት። ባዕሉ ኃውተይ እያ ስለ-ዝበለ ግና፣ እቲ ንጉሥ ማለት ኣቤሜለክ ንኽወስዳ፣ ክስከፍ ዝገብሮ ምኽንያት ምህላዉ ኣይተራእዮን።
እቲ ሕያው ኣምላኽ ግና፣ ኣቤሜለክ እዚ ኃጢኣት`ዚ ክፍጽም ክገድፎ ኣይደለየን። ስለዚ ሣራ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ`ሞ ኣይትቕረባ ድሕሪ ምባሉ “-ንሱ እቲ ሰብኣያ ነቢይ እዩ`ሞ፣ ምእንቲ ክትድኅን ክጽልየልካ እዩ-” ከም-ዝበሎ`ዩ ብሉይ-ኪዳን ገሊጹዎ ዘሎ። ስለዚ እቲ “ኣማላድነት” ዝበሃል ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝረኸበ፣ ወይ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሥርዓተ-ኣምልኾ ደኣምበር፣መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት የብሉን ተባሂሉ፣ ብዓይኒ ነቐፌታ ክጥመት ዝገብሮ፣ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት`ኳ ኣለዎ ዝበሃል ከም-ዘይኮነ፣ ካብቲ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን።(ዘፍ-20/1-7)
ከመይሲ ካብቲ መጽሓፍ ክንርድኦ ከም-እንኽእል፣ እግዚኣብሔር-ኣምላኽ ንኣቤሜለክ፣ ባዕሉ ይቕረ ኢለልካ`የ ብምባል፣ ክምሕሮ እናኸኣለ ከሎ`ዩ፣ “-ምእንቲ ክትድኅን ኣብርሃም ይጸልየልካ-” ክብሎ ዝተሰምዐ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንሱ የማልድካ`ዩ ዝብሎ ዘሎ። ስለዚ መጽሓፍ-ቅዱስ ንኣማላድነት ብዝምልከት እዚ ድልዱልን ርጉጽን ዝኾነ ምስክርነት እናሃበ ከሎ፣ በየናይ መዐቀንን መምዘን`ዩ፣ “ኣማላድነት ቅዱሳን” መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት የብሉን ተባሂሉ ክንጸግ ዝከኣል-? ከመይሲ እቲ ሕያው ኣምላኽ ባዕሉዶ ኣይኮነን “-ኣብረሃም ይጸልየካ ወይ የማልድካ-” ዝብል ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣማላድነት ዝበሃል ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብሉዎ ከም-ዘይኮነ፣ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ መረድኢ ክቐርበሉ የድሊ`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።
ካብዚ ብምቕጻል ዝቐርብ ካልእ መረድኢ`ውን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ሶዶምን-ጎሞራን ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ምዝርራብ እዩ። እቲ መጽሓፍ ከም ዝብሎ ከኣ “-ሽዕኡ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም፣ ብሰንኪ ሶዶምን-ጎሞራን ኣውያት በዝሐ፣ ኃጢኣተን ከኣ እምብዛ ዓቢይ ኮነ-” ብምባል፣ ብዛዕባ`ቲ ዝኸውን ዝነበረ ኩሉ፣ ንኣብርሃም ከም-ዝነገሮ`ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝዛረብ። ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን-ጎመራን፣ ንክወረድ ኣንጠጥዩ ዝነበረ መዓት ስለ-ዘተሓሳሰቦ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምሕረት ንክልምን ከም-ዝቐረበ ኢና ንርኢ። (ዘፍ-18/20-21)
ስለዚ ድማ ኣቦና-ኣብርሃም “-ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ኃጥእዶ ከተጥፍኦ ኢኻ-? ምእንቲ`ቶም ኣብኣ ዘለዉ 50-ጻድቃን ኢልካ`ኳ ነታ ቦታ ኣይትንሕፋንዶ-? ብምባል`ዩ፣ ምእንቲ ሶዶምን-ጎመራን ምሕረት ክልምን ኢሉ፣ ኣብ ቅድሚ`ቲ ሕያው ኣምላኽ ክቐርብ ምኽንያት ዝኾኖ። እቲ ንጸሎት ኣቦና-ኣብርሃም ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ መልሲ ከኣ “-ኣብ ሶዶምን-ጎመራን 50-ጻድቃን እንተረኺበስ፣ ንብዘላ እታ ከተማ፣ ምእንታኦም ኢለ ክንሕፋ እየ-” ዝብል መልሲ`ዩ ዝነበረ። (ዘፍ-18/28)
እምበኣር ኣብዚ እቲ መጽሓፍ ብግልጺ ይዛረብ ከም ዘሎ፣ ኣቦና-ኣብርሃም ምእንቲ ሕዝቢ ሶዶምን-ጎመራን ክልምን`ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝቐረበ። እምበኣር ኣብዚ ኣቦና-ኣብርሃም ኣማላዲ ኮይኑ ቀሪቡ ከም-ዘሎ፣ ምንም ዘከራኽር ነጥቢ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ተወሳኺ ነጥቢ ድማ “-ኣብዛ ከተማ 50-ጻድቃን እንተ ረኺበስ፣ ምእንትኦም ኢለ ክንሕፋ እየ-” ተባሂሉ ዝተነግረ ኣምላኻዊ ቃል`ዩ። ኣብቲ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኾና`ውን፣ ነዚ መሠረት ብምግባር`ዩ፣ “በእንተ-ማርያም፣ በእንተ-መላእክት፣ በእንተ-ነቢያት፣ በእንተ-ሓዋርያት፣ በእንተ-ሠማዕታት፣ በእንተ-ጻድቃን እናተባህለ ምህልላ ክግበር ዝርከብ ዘሎ።
ከመይሲ ኣቦና-ኣብረሃም`ውን ምእንቲ ገለ ጻድቃን ኢልካኸ ኣይትምሕርንዶ ብምባል `ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክልምን ኢሉ ዝቐረበ። እቲ ጽሑፍ ባዕሉ ይገልጾ ከም ዘሎ ድማ፣ እቲ ሕያዋይን መሓርን ዝኾነ ኣምላኽ ድማ፣ ምሕረት እምበር ጥፍኣት ባሮቱ ስለ-ዘይደሊ፣ ምእንቲ ገለ ጻድቃን ክብል ምሕረት ክገብር ከም-ዝደሊ፣ ንኣብርሃም ከም-ዘረጋገጸሉ`ዩ እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ዝዛረብ። ግዳስ ሓሙሽተ ዝኾኑ ጻድቃን ተደልዮም ምስ ተሳእኑ እየን፣ እተን ብኃጢኣት ተበላሽየንን ጋዕዝየንን ከም-ዝነበራ ዝንገረለን ሶዶምን ጎሞራን፣ ካብ ሰማይ ብዝወረደ ሓውን ዲንን ተደምሲሰን ክጠፍኣ ዝኸኣላ። እምበኣር ሕጂ`ውን እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ከድኅነና ብምባል ኢና፣ በእንተ እናበልና ስም ቅዱሳን ብምጽዋዕ፣ ክንምህለልን ክንጽልን ንርከብ ዘሎና።(ዘፍ-18/16-29)
ብተወሳኺ`ውን ኣብ መጽሓፈ-ኢዮብ “-ንኣማላድነት-” ብዝምልከት፣ ነዚ ስዕቡ ዘሎ ብመጽሓፍ-ቅዱስ ዝተደገፈ መርትዖ ክንረክብ ንኽእል። ማለት ኣብ መንጎ`ቲ ጻድቕ-ምዃኑ፣ ብእግዚኣብሔር ዝተመስከረሉ ኢዮብን፣ እቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ሠለስተ-ሰባትን ዝተመላለሱዎ ቃላት እዩ። እቲ ሕያው-ኣምላኽ ከኣ፣ ብኣበሃህላ`ቶም ፈተውቲ ኢዮብ ስለ ዘይተሓጎሰ፣ ካብኣቶም ነቲ ኤልፋዝ ዝተባህለ፣ ከምዚ ዝስዕብ ከም-ዝበሎ ነንብብ “- “-ከም ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም፣ ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ-ዘይተዛረብኩም፣ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ተቘጢዐ ኣሎኹ። ሾብዓተ-ዝራብዓትን ሾብዓተ-ደዓውልን ሒዝኩም፣ ናብ ኢዮብ-ባርያይ ኪዱ`ሞ፣ ኣብ ክንዲ ርእስኹም መሥዋዕቲ ምሕራር ኣዕርጉ። ኢዮብ-ባርያይ ከኣ ክጽልየልኩም እዩ`ሞ፣ ንዕኡ ክቕበሎ`የ-” ከም-ዝበሎ`ዩ ተጻሒፉ ዘሎ። (ኢዮ-42/7-8)
ኣብዚ`ውን እቲ ጻድቕ ኢዮብ፣ ነቶም ሠለስተ ፈተውቱ ንኽጽልየሎም፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝረኸበ፣ ናይ ኣማላድነት ተልእኮ ንኽፍጽም ከም-ዝተጸውዐ ኢና ንርኢ። ከመይሲ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝምሕር ኣምላኽ ኮይኑ እናሃለወ፣ “-ኢዮብ ባርያይ ክጽልየልኩም እዩ`ሞ፣ ኣነ ድማ ንጸሎቱ ክቕበሎ እየ-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ `ውን ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እዚ ብኢዮብ ኣቢሉ ክግበር ዝተደልየ “ኣማላድነት” እዚ ከኣ፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ወይ ዝረኸበ ደኣምበር፣ ኢዮብ ባዕሉ ኣማላዲ ክኸውን ኢሉ ኣይቀረበን። ስለዚ እቲ “ኣማላድነት” ዝበሃል፣ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከምቲ ገሊኦም ናይ ምርዳእ ጸገም ዘለዎም ዝመስሉ፣ ዝህቡዎ ዝንቡዕ ትርጉም ዘይኮነ፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ ዝፈቐዶን መጽሓፍ-ቅዱስ ሠረት ዘለዎን ምዃኑ፣ ካብቶም ቅዱሳት-መጻሕፍቲ ዝህቡዎ ምስክርነት ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል መርትዖ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ነቲ ሕያው ኣምላኽ ተጋጊኻ ክብሎ ዝኽእል ፍጡር ድማ የልቦን። ስለዚ`ዩ ኣባ-ጊዮርጊስ ዘጋስጫ`ውን “ኣልቦ ዘይብሎ ምንተ ገበርከ-? ዘንተ ኣሕሰምከ ወዘንተ ኣሠነይከ” ብምባል፣ ኣብ ሰኣታት ኣቐሚጡዎ ዘሎ።
ምስዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ “ኣማላድነት” ኣርእስቲ ብምትሕሓዝ፣ ክንመሃረሉ እንደሊ ካልእ ተወሳኺ ፍጻሜ`ውን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ እግሪ ከረን-ሲና ዝተፈጸመ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ተግባር ደቂ-እስራኤል እዩ። እዚ ማለት ድማ እስራኤላውያን፣ ነቲ ኩሉ በቲ ሕያው-ኣምላኽ ዝተገብረሎም ትእምርትን ተኣምራትን ሸለል ብምባል፣ ብወርቂ ኣብ ዝተሠርሐ ምስሊ-ምራኽ ክሰግዱ ዝገበሩዎ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ክሕደት እዩ። በዚ ከኣ ኩራ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ከም-ዝነደደ ንርኢ። ከም ሳዕቤን`ዚ ዝተባህለ ኩሉ`ውን፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-ነዚ ሕዝቢ`ዚ ከጥፍኦ`የ-” ክሳብ ምባል ከም-ዝተቘጥዓ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ኣሎ።
እቲ ኣዚዩ ዕጉስ ከም-ዝነበረ ዝንገረሉ ሊቀ-ነቢያት ሙሴ ግና፣ ኣብ ክንድ`ቲ ሕዝቢ ኮይኑ ምሕረት ንክልምን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ካብ ምውዳቕ፣ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ከምዚ ብምባል ድማ ኣብ ቅድሚ ምሕረት ኣምላኽ ወዲቑ ከም- ዝተማህለለ ነንብብ “-ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ-! ካብ ንደት ቁጥዓኻ ተመለስ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ፣ ክትገብሮ ዝሓሰብካ መዓት ድማ ተጠዓሰሉ። ነቶም ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ከኣ ዘክር-” ብምባል ብሙሴ ኣቢሉ ዝቐረበ ጸሎተ-ምህለላ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ “-እግዚኣብሔር ድማ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ክገብሮ ኢሉ ተዛሪቡዎ ዝነበረ መዓት ተጣዕሰሉ-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ መዝጊቡዎ ዘሎ። (ዘጸ-32/1-14)
እምበኣር እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ነቲ ከውርዶ ሓሲቡዎ ዝነበረ መዓት ተጣዒሱሉ፣ ንድሕሪት ክመልሶ ወይ ናብ ምሕረት ክቕይሮ ዝኸኣለ፣ በቲ ሙሴ ዘቕረቦ ጸሎተ ምህልላ ምዃኑ፣ ካብቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ደቂ-እስራኤል፣ ካብ ቁጥዓ-ኣምላኽ ንክድኅኑ ምኽንያት ዝኾነ፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣማላድነት ሙሴ ስለ-ዝተቐበለ እዩ። ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ከተዓርቑ ወይ “ከማልዱ” ከም-ዝኽእሉ ድማ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ትርጉም ብዘየድልዮ ቋንቋ ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ። ስለዚ`ውን ሥርዓተ-ኣምልኾ ኦርቶዶክሳዊ እምነትና፣ ኣብ ብሉይን-ሓዲስን ተሠሪቱ ዝርከብ ደኣምበር፣ እቶም “ሰማንያ-ኣሓዱ” ወይ 81-መጻሕፍቲ ዘይቅበሉ ወገናት ከም-ዝብሉዎ፣ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዋሕዶና፣ ካብ ክሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝወጸ እምነት ከም-ዘየሎ፣ ልዕሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ባዕሉ ክቐርብ ዝኽእል ምስክር የልቦ።
ብዝተረፈ ንሳቶም ማለት፣ እቶም ካብ ክሊ መጻሕፍቲ “ሰማንያ-ወኣሓዱ” ወጻኢ ዝርከቡ፣ ሰብ “-ስሳን-ሽዱሽተን- መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት። ከም ናይ “ኣማላድነት” ተቓራኒ ገይሮም፣ ካብ ዘቕርቡዎም ጥቕስታት፣ እዞም ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ፣ ቀሪቦም ዘለዉ ምዃኖም ዝፍለጥ`ዩ። ነዚኣቶም ድማ ነቲ ኣብ ኣማላድነት ዘሎ ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከም ኣፍረስቲ ወይ ተጻረርቲ ገይሮም`ዮም ከቕርቡዎም ዝርኣዩ።
1. ኣነ ንኃጥኣን እምበር፣ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን።(ማቴ-9/13)
2. ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፣ ናባይ ንዑ፣ ኣነ ከዕርፈኩም። (ማቴ-11/28)
3. እቲ ኣፍ-ደገ ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣቱ ከኣ ክድኅን እዩ። (ዮሓ-10/9)
4. መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ከኣ፣ ሓደ`ኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን (ዮሓ-14/6)
5. በቲ ክረድእ ዘይክእል ወዲ-ሰብ ኣይትተኣመኑ። (መዝ-146/3)
6. ብሰብ ዝእመን ርጉም`ዩ (ኤር-17/5)
እዞም ዝተባህሉ ጥቕስታት ድማ፣ እቶም በቶም ሰብ “-66-መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት፣ ከም “ንኣማላድነት” ዝቃወሙ ኮይኖም ብምድግጋም ክጥቀሱ ዝስምዑ እዮም። ይኹን እምበር እዞም ዝተባህሉ ጽሑፋት ኩሎም ፣ ነቲ ፈጺሙ ክትንከፍ ዘይግብኦ፣ ናይ እግዚኣብሔር መሎኮታዊ ክብሪ፣ ብምኽንያት ኣማላድነት ይትንከፍ ከም ዘሎ ኣምሲልካ፣ ዝንቡዕ ትርጉም ክትህቦ ምፍታን፣ እግዚኣብሔር ዝቕበሎን መጽሓፍ-ቅዱስ ዝምስክሮን`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ኢሉዎ፣ ወይ ገሊጹዎ ካብ ዘሎ ኣገላልጻ ወጻኢ፣ ንመሠረት መጽሓፍ-ቅዱስ ነቕኒካ፣ ዘይናቱን ዘይሰማምዖን ትርጉም ክወሃቦ ዝግበር ፈተነ፣ ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ክህልዎ ይኽእል `ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። መጽሓፈ-ምሳሌ`ውን “-ኣቦታትካ ዘቈሙዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ-” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ከምዘሎ ክፍለጥ ይግባእ።(ምሳ-22/4)
ብዝተረፈ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔር ክሒድካ፣ ፍጡር ኣብ ዝኾነ ሰብ እምነት ምግባርን፣ ኣማላዲ ኮይኑ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቐኒ ኢልካ፣ ናብ ሓደ ካብቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ጸሎት ምግባርን፣ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ። ኣማላድነት ማለት ድማ፣ ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ክብሪ ሸለል ብምባል፣ ናብ ፍጡራን ኣቢልካ ከም-ምጥማት ማለት ከም-ዘይኮነ፣ ጸቒጥካ ክሥመረሉ ዝግባእ ነጥቢ`ዩ። እቶም መጻሕፍቲ`ውን ነዚ ሓቂ`ዚ እዮም ከረጋግጹልና ዝኽእሉ። ካብ ክሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ወጺእና ክንርከብ ድማ፣ እቲ ኣብ ራእየ-ዮሓንስ “-ሓደ`ኳ ናብዘን ቃላት እዚኣተን እንተወሰኸ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ`ዚ ተጻሒፉ ዘሎ መዓት ክውስኸሉ እዩ። ካብ ቃላት እዚ ትንቢት`ዚ እንተ ኣጉደለ ከኣ፣ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ`ዚ ተጻሒፈን ዘለዋ፣ ኦም ሕይወትን እታ ቅድስቲ ከተማን ግዲኡ ከጒድለሉ እዩ-” ብምባል ተዋሂቡ ዘሎ መጠንቀቕታ፣ ብሸለልትነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ከም-ዘይግባእ ንፈልጥ ኢና። (ራእ-22/18-19)
ይኹን እምበር “ኣማላድነት-ቅዱሳን” ዝደሊ ሰብ፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ፣ ብቑዕ ኣይኮንኩን ካብ ዝብል ናይ ሕልና ወቐሳ`ዩ፣ ብኣማላድነት ቅዱሳን ኣቢሉ ናብ እግዚኣብሔር ክቐርብ ብማለት፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክኩሕኩሕ ዝርከብ። እዚ ማለት ድማ “በእንተ” እናበለ ስመ-ቅዱሳን ብምጽዋዕ፣ ክጽልን ክምህለልን ምርካቡ፣ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘሊልካ ብምኻድ፣ ዝግበር ሥርዓተ-ኣምልኾ ከም-ዘይኮነ፣ በዚ ዝስዕብ ምርድኡ ይከኣል`ዩ። “-ንዓኻትኩም ዝቕበል ንዓይ ይቕበል። ...እቲ ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፣ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ። እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ከኣ፣ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ነኣሽቱ ንሓደ`ኳ፣ ብስም ወደ መዝሙር፣ ዝሑል ብርጭቆ-ማይ ዘስቲ`ውን፣ ዓስቡ ከቶ ከም-ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ-” ተባሂሉ ዝተነገረ ኣምላኻዊ ቃል ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። (ማቴ-10/40-42)
ብዝተረፈ ንሳቶም እቶም፣ ሰብ “66-መጻሕፍቲ” ዝኾኑ ወገናት “-ኣማላዲ ሓደ በይኑ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ጥራይ`ዩ-” ዝብል ንባብ ብምሓዝ፣ ዝህቡዎ ጌጋ ትርጉም ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። ግዳስ ኣብ መንጎ`ቲ ብጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ተበጃውነትን፣ ብቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ዝግበር ኣማላድነትን፣ ሓደ ዓቢይ መሠረታዊ ፍልልይ ከም-ዘሎ፣ ክርዱኡዎ ኮነ ክቕበሉዎ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን። ከመይሲ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ “-ተበጃውነት-” ተባሂሉ ዘሎ፣ ብዛዕባ`ቲ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ-ሰብ፣ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን፣ ዝዛረብ ደኣ`ምበኣር፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ከም-ዝወሃቦ ምግባር፣ ነቲ ጎይታና ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ መለኮታዊ-ክብሪ ኣውሪድካ፣ ምንእኣስ ጥራይ`ዩ ክኸውን ዝኽእል። ዮሓንስ ወዲ-ዘብዴዎስ ከኣ፣ ነቲ ኣማላድነት ብምባል ቀሪቡ ዘሎ ናይ ድኅነት ምሥጢር፣ ብከምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ ከም ዘሎ ንርኢ “-ጠበቓ ኣሎና ንሱ ድማ፣ እቲ ጻድቕ ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ። ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ኮነ-” ብምባል `ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። (1ዮሓ-2/1-2)
ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ`ውን፣ ነዚ ምሥጢር`ዚ ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ። “-ኣምላኽ ሓደ እዩ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፣ ሓደ እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ-ኢየሱስ እዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ፣ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። እምበኣር ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ወይ “-ተበጃውነት-” ነዚ`ዮም፣ እቶም ሰብ “-66-መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት፣ ንመለኮታዊ-ክብሪ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ክምጥን ብዘይክእል ኣገላልጻ፣ ነቲ “ተበጃውነት” ዝብል ቃል፣ “ኣማላድነት” ዝብል ዝንቡዕ ትርጉም ከም-ዝህልዎ ብምግባር፣ መኣዝኑ ስሒቱ ከም-ዝርከብ ገይሮሞ ዝርከቡ ዘለዉ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ምስዚ ኣበሃህላ`ዚ ዝሰማማዕ እምነት የብላን። እዚ ማለት ድማ፣ “ተበጃውነት” ንጎይታና ንበይኑ ዝምልከት ግብሪ ምድኃን ክኸውን ከሎ፣ “ኣማላድነት” ግና ንቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ዝምልከት ኮይኑ `ዩ ዝርከብ (1ጢሞ-2/5-6)
ስለዚ`ውን ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ተበጃውነት፣ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ-ሰብ፣ ኣብ መስቀል ብዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ኣማላድነት-ቅዱሳን ግና፣ ኣብ ክንዲ ሕዝቢ ናብቲ ኣምላኽን መድኅንን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ብጸሎቶም ዝገብሩዎ ምምላድ ኮይኑ`ዩ ዝርከብ። ማለት “ምእንቲ” ኢልካ ዝግበር ጸሎት ደኣምበር፣ ናይ ደም ዋጋ ዝሓትት ኣይኮነን። እምበኣር ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ሥርዓተ ኣምልኾ ክግለጽ ከሎ፣ ማለት እቲ “-ተበጃውነት-” ዝብል ግብሪ ምድኃን፣ ናይ ክርስቶስ ናይ በይኑ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ናይ“-ኣማላድነት-” ሥርዓት ግና፣ ናይ ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ግደ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ “ተበጃውነትን" “ኣማላድነትን” ዘሎ ደረት ወይ ወሰን፣ ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝከኣል ከም-ዘይኮነ፣ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ ተበጃውነት ብደም ጎይታና፣ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ክኸውን ከሎ፣ ኣማላድነት ግና ብጸሎት ቅዱሳን ኣቢሉ ዝፍጸም፣ ናይ ኣምልኾ-ሥርዓት እዩ። ስለዚ ኣብ መንጎ “ተበጃውነት” ከምኡ`ውን “ኣማላድነት” ዘሎ ወሰንን ደረትን፣ ሰጢጥካ ብምኻድ፣ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ምፍታን፣ ምስ ኣስተምህሮ ብሉይን ሓዲስን፣ ክሳነ ይኽእል`ዩ ዝብል እምነት የብልናን።
ይኹን እምበር እቶም ሰብ “66-መጻሕፍቲ” እቶም ድሮ ብሞት ዝተፈልዩ ቅዱሳን፣ ንሳቶም`ውን የማልዱ`ዮም ዝብል ትምህርቲ፣ ነዚ`ውን ብግልጺ ክቃወሙዎ`ዮም ዝርከቡ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ብሕይወቶም ከለዉ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ድሕሪ ሞቶም`ውን ናይ ምምላድ ተግባሮም፣ ኣየቋርጽን እዩ ዝብል እምነት`ዩ ዘለዋ። ነዚ ግና መጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን መሠረት ብምግባር ደኣምበር፣ ዝኾነ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ጭብጢ ወይ መወከሲ ከይሓዘት፣ እትብሎ ዘላ ኣይኮነትን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ክጥቀስ ካብ ዘለዎ ሓደ፣ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ነቦና-ኣብርሃም ዝሃቦ ናይ ተስፋ ቃል`ዩ። ብሉይ-ኪዳን ከም-ዝብሎ ድማ “-ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ፣ ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣቢልካ ጠምት። እዛ ትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ድማ፣ ንዓኻን ንዘርእኻን ንዘለዓለም ክህባ እየ። ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ከብዝሖ እየ-” ዝብል ትንቢታዊ ተስፋ ከም-ዝሃቦ፣ ተጻሒፉ ኣሎ። (ዘፍ-13/14-18)
ኣብ ዘመነ-ሙሴ ድማ፣ እቲ ንኣቦና-ኣብርሃም ተዋሂቡዎ ዝነበረ ተስፋ፣ ፍጻሜ ክረክብ ከም-ዝኸኣለ ንርኢ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ከም-ዝብሎ “-ኣነ እግዚኣብሔር እየ፣ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ድማ፣ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብዚብል ስም`የ ዝተገለጽኩሎም ...ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ምድሪ-ስደቶም፣ ማለት ንሃገረ-ከንኣን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም ነይረ እየ። ሕጂ ድማ መሪር ብኽያት፣ ናይቶም ግብጻውያን ባሮት ዝገበሩዎም ደቂ-እስራኤል ሰሚዐ ኪዳነይ ዘከርኩ-” ይብል እቲ ሕያውን ቅዱስን ዝኾነ ዘለዓለማዊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ (ዘፀ-6/2-5)
በቲ ካልእ ድማ፣ ደቂ-እስራኤል ኣብ በረኻ-ሲና ኣዕሪፎም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ሙሴ ምስ እግዚኣብሔር ክራኸብ ብምባል፣ ናብቲ ነዊሕ ከረን ምስ ደየበ፣ ኣብ ቅድሚ ኣሮን ቀሪቦም ብምዕግርጋር፣ ምስሊ ምራኽ ሠሪሖም ነቲ ኩሉ ተኣምራት ዝገበረሎም ኣምላኽ ከም-ዘሕዘኑዎ ዝፍለጥ`ዩ። ብሰንኪ`ቲ ዝፈጸምዎ ክሕደት ከኣ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቁጥዑኡ ስለ-ዝነደደ፣ “-ነዚ ሕዝቢ`ዚ ከጥፍኦ`የ በለ-” ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቡ፣ “-እቲ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ዝሃብካዮም ተስፋን፣ ዝመሓልካሎም ማሕላን ዘክር-” ብምባል`ዩ ዝተማህለለ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ድማ፣ ዝሃቦ ተስፋን ዝመሓሎ ማሕላን ስለ-ዘይጠልም፣ ነቲ ከውርዶ ኢሉ ሓሲቡዎ ዝነበረ መዓት፣ ነቶም ቀዳሞት ኣቦታት ማለት፣ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኣትዩሎም ዝነበረ ኪዳን ብምዝካር፣ ተጣዕሰሉ እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ።(ዘፀ-32/7-14)
እቶም ርእሲ ኣቦታት ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ግና፣ ኣብቲ እዋን`ቲ ብሕይወት ኣይነበሩን። ካብ ዝሓልፉ ወይ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ካብ ዝኸዱ፣ ነዊሕ ዘመናት ኮይኑዎም ነይሩ`ዩ። እቲ ነቢየ-እግዚኣብሔር ዝኾነ ሙሴ ግና “-እቲ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ባሮትካ፣ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ማሕላ ዘክር-” ብምባል`ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወዲቑ ዝተማህለለ። እዚ ከረድኣና ዝኽእል ከኣ፣ እቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ድሕሪ ሞቶም እንተኾነ`ውን፣ እቲ ብሕይወተ-ሥጋ ከለዉ ካብ እግዚኣብሔር ተዋሂቡዎም ዝነበረ ተስፋን ኪዳንን፣ ዘይበልን ዘይኣርግን ዘይቅየርን ምዃኑ`ዩ ከረድኣና ዝኽእል።
ብዝተረፈ ምስዚ ናይ “ኣማላድነት” ኣርእስቲ`ዚ፣ ምትሕሓዝ ዘለዎ ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእል ካልእ ፍጻሜታት`ውን ኣሎ። ማለት እቶም ብእግዚኣብሔር ኪዳን ዝተዋህቦም ቅዱሳን፣ እቲ ኪዳኖም ነቶም ስሞም ጸዊዖም ኣማላድነቶም ዝደልዩ፣ እቲ ኪዳኖም ተፈጻሚ ኮይኑ ክርከበሎም ከም-ዝኽእል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘረጋግጸልና። ከመይሲ እቲ ሓዛኤል ዝተባህለ ናይ ሶርያ-ንጉሥ፣ ጸላእ ሕዝቢ-እስራኤል ከም-ዝነበረ`ዩ፣ ብሉይ-ኪዳን ገሊጹዎ ዘሎ። ኣብ ምሉእ ዘመነ-መንግሥቱ ድማ፣ ሥቓይ ኮይኑዎም ከም-ዝነበረ `ዩ ዝፍለጥ። እቲ ግፍዒ መወዳእታ ክገብረሉ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-እቲ ምስ ኣቦታቶም ምስ ኣብረሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ዝኣተዎ ኪዳን ዘከረ፣ ክሳብ ሕጂ`ውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣየርሓቖምን-” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። (2ነገ-13/22-25)
በቲ ካልእ ክንምልከት ከሎና`ውን፣ ማለት እታ ቅድስቲ-ሃገር ኢየሩሳሌም፣ ብሠራዊት ኣሶር ተኸቢባ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፣ እቲ ናይ እሥራኤል-ንጉሥ ማለት ሕዝቅያስ፣ ብፈኸራ ሰናክሬብ ንጉሥ-ኣሶር ተዳሂሉ፣ ኣብ ተስፋ ቅብጸት ምስ በጽሐ “ኦ-እግዚኣብሔር ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ። ኣዕይንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ርአ። ነቲ ንዓኻ ንሕያው ኣምላኽ ክጸርፍ ኢሉ ዝተዛረቦ ሴናክሬብ ከኣ ስምዓዮ” ብምባል`ዩ ንጉሥ-ሕዝቅያስ ናብ እግዚኣብሔር ወዲቑ ዘእወየ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ንጸሎት ሕዝቅያስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ “-ኣነ ድማ ነዛ ከተማ እዚኣ፣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ንዳዊት ባርያይ ዝሃብኩዎ ተስፋን ኢለ ክከላኸለላን ከድኅናን እየ-” ከም-ዝበለ`ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ወጺኡ፣ 185-ሺሕ ካብ ሠራዊት ኣሶር ክቐትል ከም-ዝኸኣለ`ዩ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። (2ነገ-19/1-37)
እዚ ከረደኣና ዝኽእል ከኣ፣ ቅዱስ-ዳዊት ብሕይወት ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ`ዩ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-ምእንቲ`ቲ ንዳዊት-ባርያይ ዝሃብኩዎ ተስፋ-” ብምባል፣ ንጸሎት ሕዝቅያስ ተቐቢሉ፣ ንሠራዊት-ኣሶር ብመቕዘፍቲ ክቐጽዖ ዝተረኽበ። ስለዚ ቅዱሳነ- እግዚኣብሔር ምስ ሓለፉ`ውን፣ እቲ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኪዳን፣ ቀዋሚ ኮይኑ ክራዳእ ዝነብር ደኣምበር፣ ዝበልን ዝኣርግን ዝሓልፍን ዝስዓርን ከም-ዘይኮነ፣ እቲ መጽሓፍ ባዕሉ ክዛረቦ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፣ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።
ብዛዕባ ኤልሳዕ-ነቢይ`ውን፣ ክጥቀስ ካብ ዝኽእል ብዙሕ ፍጻሜታት ሓደ፣ እቲ ነታ ሹናማዊት ሰበይቲ ዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ተግባር እዩ። ኣብ ብሉይ-ኪዳን ብዝርዝር ተቐሚጡ ከም ዘሎ፣ እታ ሃብታም ከም-ዝነበረት ዝንገረላ ሰበይቲ፣ እቲ ዝነበራ እንኮ ውላዳ ብሃንደበት ምስ ሞተ፣ ናብቲ ነቢይ እያ ተጓይያ ዝኸደት። ነቢይ-ኤልሳዕ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ብምጽላይ፣ ካብ ሞት ከተንሥኦ ከም-ዝኸኣለ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ኣሎ። (2 ነገ-4/18-37)
እዚ ከኣ ነቢይ-ኤልሳዕ ድሕሪ ሞቱ፣ ተኣምር ክፍጽም ተረኺቡ ማለት`ዩ። እዚ ማለት ድማ ደቂ-ሞኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር ክፍጽሙ፣ ናብ ምድሪ-እስራኤል ኣቢሎም ምምጻእ የዘውትሩ ከም-ዝነበሩ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ከም ኣጋጣሚ ድማ እስራኤላውያን ሰብ ሞይቱዎም፣ ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ እቶም ሓደጋ ዝወድቁ ደቂ-ሞኣብ ብሃንደበት መጹዎም እሞ፣ ካልእ ምርጫ ስለ-ዘይነበሮም፣ ነቲ ሬሳ ደርብዮሞ ክሃድሙ ግድነት ኮኖም። ከም ኣጋጣሚ ግና እቲ ሬሳ፣ ኣብ ልዕሊ መቓብር ነቢይ-ኤልሳዕ`ዩ ዝወደቐ። መቓብር እቲ ነቢይ ምስ ተንከየ ድማ፣ እቲ ሞይቱ ንክቕበር ተቐሪቡ ዝነበረ ሬሳ፣ በእጋሩ ደው ኢሉ ሓወየ። እዚ ከኣ እቲ ነቢይ ድሕሪ ምሟቱ፣ ዝተፈጸመ ተኣምር እዩ። (2 ነገ-13/20-21)
እዚ ከረድኣና ዝኽእል ድማ፣ እቶም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ድሕሪ ሞቶም`ውን እንተኾነ፣ እቲ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ናይ ኣማላድነት ኪዳን፣ ወይ ተኣምራት ናይ ምግባር ኣምላኻዊ-ጸጋ፣ ቀዋሚ ኮይኑ ከም-ዝነብር ብግልጺ`ዮም እቶም መጻሕፍቲ ዝዛረቡ ዘለዉ። ስለዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ንኣማላድነት ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ኣብቲ ሥርዓተ-ኣምልኮኣ ኣካቲታ ክትሕዞን ከተተግብሮን ምርካባ፣ በቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሓቀኛ-ትምህርቲ ክርስትና ደኣምበር፣ ከምቲ እቶም ሰብ 66-መጻሕፍቲ ዝብሉዎ፣ ምስ ትምህርቲ-ወንጌል ተቓርኖ ዘለዎ ከም-ዘይኮነ፣ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ`ዩ።
ስለዚ`ውን እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፣ በእንተ ማርያም፣ በእንተ-መላእክት፣ በንተ-ነቢያት፣ በእንተ-ሓዋርያት፣ በእንተ-ሠማዕታት፣ በእንተ-ጻድቃን እናተባህለ ክግበር ዝርከብ ዘሎ ጸሎተ-ምህልላ። መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት ዘለዎ፣ ኣካል`ቲ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኮና ደኣምበር፣ ካብዚ ወጻኢ ኮይኑ ክርአ ዘኽእሎ፣ ዝኾነ ትርጉም ክወሃቦ ግቡእ ኣይኮነን፣ ቅቡል ክኽውን ዘኽእሎ ምኽንያት`ውን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ኣብቶም ቅዱሳት-መጻሕፍቲ ትዂረት ብምግባር፣ እቶም መጻሕፍቲ ሒዞሞ ዝርከቡ ትርጉም፣ ክንርዳእ እንገብሮ ጻዕርን ተገዳስነትን ብዘይ ምህላዉ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ካብ መሠረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝወጸ እምነት፣ ኣባና ኣብ ተዋሕዶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።
ርግጽ`ዩ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ብብዙሕ ፈተና ተቐርቂራ እትርከብ ከም-ምዃና መጠን፣ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ናብ ምእመናና ከተብጽሕ፣ ዘፍቅድ ሃዋህው ኣሎዋ`ዩ ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ`ዩ። እዚ ነቓዕ`ዚ ብዝፈጠሮ ክፍተት ከኣ`ዩ፣ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ምድረ-መናፍቓን ብቐሊል ክምዝምዝዎ ዝኽእሉ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ `ውን እቲ ፖለቲካ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩዋ ክሳብ ዝሃለወ፣ ኣድማዒ ኮይኑ ክርአ ዝኽእል ኣገልግሎት፣ ክግበር ይኽእል`ዩ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። እዚ ከኣ`ዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዝርከብ ዘሎ።
እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና፣ ብዘይ ዝኾነ ሕቶን ርእይቶን ንዝንገሮ ኩሉ፣ “ኣሜን” እናበለ`ዩ ንዘመናት ምሉእ ክጎዓዝ ጸኒሑ። ሕጂ ግና እቲ መድረኽ ተቐይሩ`ዩ። ከመይሲ ስለምንታይ-? ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ትውልዲ`ዩ፣ እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ። ብቑዕ ዝኾነ መልሲ ክምልስ ዝኽእል ውሉደ-ክህነት ከየዳሎኻ ከኣ፣ ኣብዚ ናይዚ ዘመን`ዚ ኣገልግሎት፣ ተወዳዳሪ ኴንካ ክትቀርብ፣ እቲ መድረኽ ንርእሱ ክቕበለካ ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ጸገም`ዚ እዩ ሕጂ፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኣጋጢሙዎ ዝርከብ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣገልግሎት፣ ብቕዳሴ ጥራይ ዝውዳእ እንተ-ዝኸውን ነይሩ፣ ኣብዚ መዳይ`ዚ ዝኾነ ዘጋጥም ጸገም ኣይምሃለወን።
ናይ`ዚ ዘመን`ዚ ኣገልግሎት ግና፣ ብስፍሓት ኣብ ትምህርቲ ወንጌል ትዂረት ዝገበረ ክኸውን`ዩ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶና ምርጭኡ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ስለ`ዚ እታ ዓባይን ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋን ቤተ-ክርስቲያንና፣ ካብቲ ትማሊ ዝነበራ ኣተሓሳስባ ብምውጻእ፣ ነዚ ሕጂ እንርከቦ ዘሎና፣ ናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን መድረኽ ዝምጥን፣ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ሒዛ ክትቀርብ`ዩ፣ ሕጂ በዚ መንእሰይ ወለዶና ትሕተት ዘላ። እዚ ሕቶ`ዚ ከኣ ጸማም እዝኒ ሂብካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና ነዚ ዝተባህለ ሕቶ ክትምልስ ብዘይ-ምኽኣላ፣ ዝኸሰረቶ መንእሰይ ስፍሪ ቁጽሪ የብሉን።
ግዳስ ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ፣ ምንም እኳ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ተጽዕኖ፣ ተታሒዛ ትርከብ ስለ ዘላ`ያ ዝብል ምኽንያት ክወሃቦ ዝኽእል እንተኾነ`ውን፣ እቲ ኣብ ስደት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ግና፣ ኣገልግሎት ወንጌል ናብ ማኅበረ-ምእመናን ንኸይዝርግሕ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዝተቐመጠሉ ከልካሊ ሓጹር ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብቲ ሓቂ መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግና፣ ሕጂ`ውን ሕዝብና ናብ ምሉእ ርድኢት ከብጽሖ ዝኽእል፣ ኣገልግሎት ወንጌል ይረክብ ኣሎ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ። ሓዋርያ-ጳውሎስ ግና “-ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን። ምኽንያቱ ክሰብኽ ምዙዝ እየ። እንተ-ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ-” ብምባል`ዩ ኣጠንቂቑ ዘሎ።(1ቆሮ-9/16)
ስለዚ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ሥልጣነ-ክህነት ሒዝካ ደቂስካ ዝሕደሮ እዋን ኣይኮነን። ከመይሲ ጽምኣት ወንጌል ዘለዎ ማኅበረ-ምእመናን፣ ይጽበየና ከምዘሎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ናብ ቤተ-መቕደስ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ፣ እታ ቤት-መቕደስ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ቅድስና ወጻኢ፣ ናብ ዕዳጋ ተቐይራ ከምቲ ክትኮኖ ዝግብኣ፣ ናይ ቅድስናን ኣምልኾን ቦታ ኮይና ኣይጸንሓቶን። ስለዚ ከኣ`ዩ “-ቤትየሰ ቤተ-ጸሎት ይሰመይ፣ ወኣንቱሙሰ ረሰይክሙዎ በዓተ ሰረቅት ወፈያት-” ብምባል፣ ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ገፈጥ መፈጥ ጸሪጉ ከውጽኦ ዝኸኣለ። ማለት ቤተይሲ ቤተ-ጸሎት እዩ ዝበሃል። ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕትን ጎሓላሉን ገበርኩሙዎ ማለት`ዩ። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ተልእኮኣ ወጻኢ፣ ኮይና ከይትርከብ ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ኩሎም ሓላፍነት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። (ሉቃ-19/45-46)
ስለዚ መዓርገ-ክህነት ብግቡእ ክሥረሓሉ እንተ-ዘይክኢሉ፣ ብሓላፍነት ዘጠይቕ ከቢድ ዕዳ ምዃኑ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝህቦ መጠንቀቕታ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ጽሑፍ ከም-ዝብሎ “-እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ፣ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ በዓል ዓስቢ ግና፣ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ-ዝኾና፣ ተዂላ ክመጽእ ከሎ ነተን ኣባጊዕ ኃዲጉወን ይሃድም። ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን። ከመይ ንሱ ግዲ`ተን ኣባጊዕ የብሉን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝገልጾ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያንና ግና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸቕጢ ንባዕሉ፣ ከቢድ ፈተና ኮይኑዋ ይርከብ ስለዘሎ፣ መጓሰኣ ክትኣሊ ኣብ እትኽእለሉ ቁመና ትርከብ ኣላ ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ርግጸኛታት ኴንና ክንዛረቦ እንኽእል ጉዳይ`ዩ። (ዮሓ-10/11-13)
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ግና፣ ማኅበረ-ምእመናን ብመንፈስ ክሕነጹሉ ዝኽእሉ፣ ወንጌል-ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ንኸየተኣታቱ፣ ክዓግቶ ዝኽእል ዝኾነ ምኽንያት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ዝዓበየ ትዂረት ክግበረሉ ዝግባእ፣ እቶም ሕፃናት ደቅና ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝዓብዩ ምግባር`ዩ ክኸውን ዝግባእ። ብዝተረፈ እቲ ክትከኣና ዘለዎ መንእሰይ-ወሎዶ፣ ብእምነትን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሪጹ ከም-ዝዓቢ ኣብ ምግባር፣ ቀዳምነት ሂብና ክንሠርሓሉ ዝግባእ ደኣምበር፣ ቈልዑት ንድሕሪት ገዲፍካ ወይ ኣግሊልካ ክግበር ዝጸንሐ ኣገልግሎት፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉዋ`ዩ። ሕጂ ድማ እዚ ከቢድ ስምብራት ዝገደፈልና ድኽመት`ዚ፣ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ክንገድፎ፣ ቅቡል ዝኾነሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።
ስለዚ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ፣ ናይ ውድድር ግዜ ከም-ምዃኑ መጠን፣ እቲ ንሃይማኖት ብዝምልከት ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ብዙሕ`ዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ትሕቲ መጓሰና ዘሎ ማኅበረ-ምእመናን፣ ኣብ ምሉእ ኣፍልጦን ርድኢትን ከብጽሖ ዝኽእል ትምህርቲ ወንጌል ኣብ ምሃብ፣ ኣበርቲዕና ክንሠርሕ ግዜ ዘይህበና ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ብዝተረፈ ሃይማኖት ኣሎኒ ምባል፣ ብዘይ ዝኾነ ኣፍልጦ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ቅድሚ ዝኾነ ይኹን፣ ስብከተ-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት፣ ኣብ ምትእትታው ኣበርቲዐን ክሠርሓ፣ ዘለወን ሓላፍነት ክዝንግዓ የብለንን በሃልቲ ኢና።