በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤና፥ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live)፡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ (July) - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ኣ.ፈ (ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ።
ከምቲ መሪሕ ጥቕሲና “ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12 ክኸውን ተመዲቡ ዘሎ፥ ንዝሓለፉ 21 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዝተፈላለየ ክፈለ-ግዝኣታት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ ናይ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናትና በብተራ እናዞርና፥ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ብሕብረትን ብሥኒትን ብኣካል እናተራኸና ንሕድሕድና ክንተሃናነጽን ከቢድ ፈተና ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንናን ጉዳይ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክን መሠረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ክንጽዕረሉን ክንጽልየሉን ዝጸናሕና ዝዓበየ ውራይና ዓመታዊ ጉባኤታትና እዮም ኮይኖም ጸኒሖም። ሎሚ ዘመን ግና ወላኳ ከምቲ ናይ ቀደም ኩልና ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ተኣኻኺብና ጉባኤና ክንገብር ዘጸግም ጊዜ እንተበጻሕና፥ ነቲ ብጸበባ ተዓገሱ! ዝብል መንፈሳዊ ማዕዳ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እንዳ ኣስተንተንና፥ ብኹሉ ንኣምላኽ እንዳ ኣመስገንና፥ ንዓመታ ኣብ ዝገፍሐን ብዝሰፍሐን ኣገባብ ንሕማምና ፈውሲ፥ ንሕቶና መልሲ ረኺብና፥ እሱራትና ተፈቲሖም፥ ዝተበታተኑ ተኣኪቦም ብሕብረት ንምስጋናን ጸሎትን ዳግማይ ክንራኸብ ሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ይኹን።
ልዑል እግዚኣብሔር ንህዝብናን ቤተ ክርስቲያናን ይባርኽ!
ን3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሰላምን ጥዕናን ይሓልወልና!
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሓዋያዊ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃበልና።
ክፍሊ ምድላው ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን
ንመደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤና በዚ ዝስዕብ ተኸታተሉ፡
Live www.tewahdo.org
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch
ብቁጽሪ ተሌፎን: (669) 900 6833
መእተዊ ቁጽሪ: 840 0502 0278#
መሪሕ ጥቕሲ - “ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12.