S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈሳዊ ናይ ክብሪ ዕድመ

ናብ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።

ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት November 19, 2011 (፱ ሕዳር ፳፻፬ ግእዝ) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ” መዝ 122፡1 ዝበሎ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ሰዓታት መደብ ክብረ በዓል

1. ጸሎተ ነግህን ማሕሌትን    8፡00 --- 9፡00  ቅድሚ ቀትሪ

2. ጸሎተ ቅዳሴ                   9፡00 ---11፡00 ቅድሚ ቀትሪ

3. ስብከትን ዑደትን            11፡00 ---12፡00 ቀትሪ

4. ምሳሕ ንግደት                12፡00 ---2፡00  ድሕሪ ቀትሪ

 

ብደሓን ምጹ!

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

ኣድራሻና:

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ኣብ ሻርሎት

St Michael Eritrean Orthodox Church Charlotte

C/o

5108 Kuykendall Road

Charlotte, NC 28270

Hits: 2625