እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 1ይ ጢሞ. 4፡8.
ናይ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደሉ ቦታ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈለየ እዩ ኔሩ። ኣብ ቅ. ስላሴ ርትሪት ሰንተር ኣብ ኖርዝ ኮረላና እዩ ተኻይዱ። በኣጋጣሚ እዚ ቦታ ናይ መንፈሳዊ ኣኬባታት ዝካየደሉ ብምንባሩ ነቲ ዘድሊ መደብ ከም ዝድለ ኣሳልጦ ረኺቡ።
እቲ ዝነብረ ሃዋህው ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝተመስረተ ሕውነትን ዕርክነትን ብጣዕሚ ዘደስት እዩ ኔሩ። ዕድል ረኺቦም ናይ ባስከት ቦልን ካልእ ስፖርትን ድማ ተጻዊቶም። ከምኡ ውን ጥቃ ባሕሪ ብምንባሩ ንኽሕንብሱ ዕድል ረኺቦም።
ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዝብሎ 22፡6 “ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።” ነዚ ንምትግባሪ ሃገረ ስብከት ሰ.ኣመርካ ተታሒዛቶ ኣላ። ንዓመታ ከምዚ እዋን የርእየና ጎይታ!
ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን
እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ብሰላምን ጥዕናን ይሓልወልና።
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን፡ ንሃገርናን ቤተክርስትያን ከኣ ሰላሙ ይሃብ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of North America