ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሩኽ በዓለ-ሃዋርያት ይግበረልና።
ብምቕጻል: ንዕለት 16 ሓምለ 2011 ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ሊቃውንትን ብዙሓት ዕዱማትን ኣብ ዝርከብሉ ቤተክርስትያን ደብረ ሰላም ቅድስት ሥላሴ ዓመታዊ ክብረ በዓል እነብዕለሉን በረኸት እንቅበለሉን መዓልቲ ስለዝኾነ፥ ንኹሎም ምእመናን ብኽብሪ ንዕድም። ብተወሳኺ: እዚ ዝስዕብ መደባት ተሰሪዑልና ኣሎ።
መደብ መርሓ ግብር 07/15 - 07/17/2011
ዓርቢ: 6፡00 - 9፡00 ድ. ቀ. ዋዜማ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን
ቀዳም
ሰንበት፡
9፡00 -1፡00 ድ. ቀ. ቅዳሴን ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝቐርብ ፍሉይ ትምህርቲ ንወለድን መንእሰያትን።
ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃብ!
ንቤተክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ የስፍን።
በረኸት ኣምላኽ ምስ ኩልና ይኹን !
ሰበኻ ጉባኤ ደ.ብ.ቅ.ሥ. ስያትል
ደብረ ሰላም ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ስያትል።