ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።
በዚ መሠረት፡ ኣብ መራከቢ ፓል ቶክ (Pal talk) Eritrea Orthodox Tewahdo haymanot Abew ኣማሓደርቲ (Administrators) ናይዚ ክፍሊ ምስ ኩሎም ኦርቶዶክሳውርያን ምሁራት ስነ-መለኮት (Theology) ብምዝርራብ፡ ካብ ሰኑይ 27 ሰነ 2011 ጀሚሩ ብምዱብ ሰዓታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜሪካ ካብ ሰዓት 2:00 pm ክሳብ 7:00 pm ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ፡ ካብ ሰዓት 8፡00pm ክሳብ ሰዓት 1:00 am ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኤርትራን ንዝርከቡ ተኸታተልቲ ድማ ካብ ሰዓት 10፡00pm ክሳብ 3፡00 am ክኸውን እዩ።
ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝወሃብ ትምህርቲ።
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን። ትምህርቲ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ካብ 1ይ ሚእቲ፡ ክሳብ 5ይ ሚእቲ ዝነበሩ ኣቦታት ጥራይ ይኸውን።
መተሓሳሰቢ።
ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝኾነ ጽሑፋት ካብዚ ሥሩዕ ናይ ትምህርቲ እዚ ወጻኢ ኣይቀርብን። ዝኾነ ናይ ወቐሳን ምጽራፍን ንኣቐረብቲ ይኹን ንኻልእ እምነታት ኣይፍቀድን እዩ።
ተሳተፍቲ እዚ ክፍሊ እዚ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ እምነት ቤተ ክርስቲያንኩም፡ ርሒቕኩም እትርከቡ ኩልኹም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ዕዱማት ኢኩም።
ጸጋ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ወልድ፡ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ይኹን።
ኣዳለውቲ ደምበ ፓልቶክ